ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1,400 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብፆታዊ ዓመፅ ምድፋረን ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣፍሊጦም


ኣብ ትግራይ ናይ ምድፋር ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ልዕሊ ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ምእትን ምብፅሐን ሰበስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጦም።

ሰበስልጣን ቢሮ ፍትሕን ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን እቲ ክልል ኣብ ትግራይ ‘’ብወታደራት ኤርትራን ወታደራት ኢትዮጵያን ይፍፀም ኣሎ’’ ዝበሉዎ መጥቓዕቲ ብቑፅሪ ይኹን ብበዝሒ ብዝገደደ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

ካብዝተፈፀመን ናይ ምድፋር መጥቓዕቲ ብተወሳኺ ኣብ ኣካላተን ኣሲድ ምዝዕዛዕ ሓዊሱ ዝለዓለ ጉድኣት ዝወረደን527 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምህላወን ካብ ዓይደር ሆስፒታል ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።

ምስ ፆታዊ ዓመፅ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ እንተወሓደ ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ምህላዎም ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ክገልፅ ከሎ ብምድፋር ንዝተጠርጠሩ 25 ወታደራት ክሲ ምምስራቱን ሰለስተ ወታደራት ድማ ከምዝተፈረዶምን ድማ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሪኢቶ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ኣብ ትግራይ ግጭት ካብ ዝልዓል ጀሚሩ ካብ ዓርባዕተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒ ህፃን ጀሚሩ ክሳብ 80 ዓመት ዓበይቲ ዝርከብኦም ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ብሰራዊት ኤርትራ፣ወታደራት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ኣምሓራን ናይ ኣስገዳድ ፆታዊ መድፈርቲ ከምዝተፈፀመን ሕቡራት መንግስታት፣መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ፣USAID፣ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ሚዲያታትን ከምኡ እውን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ማእኸላት ትካላት ጥዕናን ተደፊርና ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።

ብዕስለ ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንዝተፈላለዩ ስቓያት ከምዝተቓልዓ ትካላት ጥዕና ዝገለፁ ኮይኖም ጉድኣት ወሪዱወን ንሕክምና ናብ ማእኸላት ጥዕና 1,408 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምዃነን ብፌደራል መንግስቲ ዝተሸመ ናይቲ ክልል ግዚያዊ ምምሕዳር ቢሮታት ፍትሕን ደቂ ኣንስቲዮን ይገልፁ።

ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ እትየነሽ ንጉሰ ዛጊድ ዝውሰድ ዘሎ ኣሃዝ ካብ ትካላት ጥዕና ዝተረኽበ ጥራሕ እዩ ይብላ።

ካብ መቐለ 716፣ካብ ዓዲ ግራት 362፣ካብ ኣክሱም 85፣ካብ ሽረ 48 ፣ካብ ማይጨው 37 ፣ካብ መኾኒ 18 ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ይርከብአን ብመሰረት መንግስታዊ ሓበሬታ።

‘’ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ይፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ መፍትሒ ክረክብ’’ብዝብል ምስ ቪኦኤ ሓዊሱ ምስ ብርክት ዝበሉ መራኽቢ ብዙሃን ቃለ ምልልስ ምሃባ ናይ ዓይደር ሆስፒታል ‘’ዋን ስታፕ ሴንተር’’ ኣተሓባባሪት ሲስተር ሙሉ መስፍን ትዛረብ።ይኹን እምበር እቲ ናይ ምግሳስ ዓመፅ ኣብ ክንዲ ክምሓየሽ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ትብል።

ኣብ ዓይደር ሆስፒታ ዝተሓከማን ኣብ ምሕካም ዝርከባን ግዳያት ክትገልፅ ከላ ዝኾነ ምምሕያሽ ኣይርኣይን ‘’ኣዚዩ እናወሰኸን እናኸፍአን እዩ ዝርከብ’’ ትብል።ብናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወታደራት ተደፊረን ጥንሲ ንምውራድ ናብ ዓይደር ሆስፒታል ዝመፃ 238 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምህላወን ሲስተር ሙሉ ትገልፅ።

ጥንሲ ክሰዳ ከለዋ ደምን ካሊእ ፈሳሲን ካብ ነብሰን ምስ ምፍሳስ ዝተሓላለኸ ናይ ጥዕና ፀገም እናጋጠመን ኲሊተን ስራሕ ጠጠው እናበለ ንሕክምና ምፅራይ ደም \Dialysis\ ዝኣተዋ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ሲስተ ሙሉ ትገልፅ።ኣብ ወታደራዊ ካምፕ ስለዝፀንሓ ብHIV ሓዊሱ ብብርክት ዝበሉ ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እናተጠቕዓ እቲ ሕማም ይተሓላለኸ ከምዘሎ ሲስተር ሙሉ ሓቢራ።

መብዛሕቲአን ተደፊረን ኣብ ውሽጢ ካምፕ ንክልተ ሰለስተ ሰሙናት ስለ ዝፀንሓ HIV ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ግብረ ስጋ ዝመሓላለፉ ኩሉ ዓይነታት ሕማም ሒዘን ናብ ሕክምና ከምመፃን ኣብ ኣካለን ኣሲድ ምፍሳስ ሓዊሱ ከቢድ ኣካላዊ ጉድ’ኣት ወሪዱወን ከምዝመፃ ሲስተር ሙሉ ገሊፃ።

‘’ይጥቅዓ ዘለዋ ዋላ ሓደ ነገር ዘይፈልጣ ህፃውቲ ሓዊሱ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብሓፈሻ ስቪል ማሕበረሰብ ምዃኖም ኮነ ተባሂሎም ዝፍፀም ግፍዒ እዩ፣መንስግቲ ክፈልጦ እናተገበረ ኣብ ዘለዎ ንሽዱሽተ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጌጋ ክፍፀም ኣይኽእልን፤እቶም ፈፀምቲ ድማ ብመንግስቲ ዝምርሑ ኣካላት ምስ ምዃኖም ’ብወገነይ ይተባብዑ’ ከምዘለው እየ ዝርዳእ’’ ትብል።

ኣብ ዝሓለፊ ቅኒያት ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰኔት ናይ ወፃኢ ርክባት ኮሚቴ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ዝተሰምዐ ቃል ምስክርነት ተረኺበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ብዛዕባ ዝበልኦ ግፍዒ ምስክርነተን ዝሃባ ናይ USAID ተወካሊት ሳራ ቻርለስ ሰበይቲ ካህን ክይተረፈ ዘሰንብድ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ኣሎ ኢለን።

ብዕጡቓት ተዋሳእቲ ብዛዕባ ዝፍፀሙ በደላት ፀብፃባት በፂሑና ዝበላ ንሰን ‘’እቶም ፀብፅባት ዘርእዩዎ ሰፊሕ ናይ ኣስገዳድ መድፈርቲን ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲታት ጥራሕ ከይኮነስ ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ምፍራስን ስድራታት ናይ ምጥፋእን ዝፍፀሙ ስልታዊ ፈተናታት እዮም።ነቲ ተግባር ዝፍፅሙ ሓድ ሓደ ተዋሳእቲ ናይ ካህናት ኣንሽቲ ይደፍሩ።ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ስድርአን ዝብድሉ፣ደቂ ኣንስትዮ ብልዕተን ክሳብ ዝጉድኣ ኣዚዩ ጭካነ ዝተመልኦ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊአን ፈፂሞም እዮም።ናይቲ መጥቓዕቲ ክብደት ኣብ ናይ 20 ዓመታት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ስርሐይ ካብ ዝርኣኹዎ እቲ ኣዚዩ ዝኸፍአ ሓደ እዩ።ንሕና ከም USAID ንዞም በደላት ኣዚዩ ፅኑዕ ብዝኾነ ኩነታት ንኹንኖ’’ኢለን።

ኣስገዳድ ምድፋር መጥቓዕቲ ተፈፂሙወን ካም ዝመፃ ተጠቃዕቲ ካብ ወታደራትን ዕጡቓትን ወፃኢ ካልኦት ብኣስገዳድ ዝድፈሩወን እንተሃሊዮም ናብ ዓይደር ሆስፒታል ዝመፃ ተጠቃዕቲ ይዛረባ እንተኾይነን ዝተሓተተት ሲስተር ሙሉ ‘’እወ ኣለዋ።ግን ቴስዓ ቴስዓን ሓሙሽተን ብክልቲኦም ሓይልታት ምክልኻል ከምዝፍፀም እየን ዝገልፃልና’’ትብል።

ናይቲ መጥቓዕቲ ቀንዲ ፈፀምቲ ወታደራት ኤርትራ ምዃኖም ናይቲ መጥቓዕቲ ግዳይት ንትካላት ሕክምና ከምዝዛረባ ወይዘሮ እትየነሽ ይገልፃ።

ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ኣቶ ኣበራ ንጉሰ ብኣስገዳድ ዝተጠቕዓ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣብ ዝርከቡለን ኣብ ኣክሱም፣ዓድዋ፣ሽረ፣ዓዲግራት፣መቐለ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል፣መቐለ ሆስፒታል ማይጨው ሆስፒታልን ኣብ ዝርከቡ ዋን ስታፕ ሴንተርመርማሪ ፖሊሳትን ዓቃቢያን ሕግን ኣዋፊሮም ንምምርማር ፃዕሪ እናገበሩ ምዃኖም ይገልፁ።

ክሳብ ሕዚ ዓዲግራት፣ዓድዋን ኣክሱምን ኣብ ዝርከቡ ‘’ዋን ስቶፕ ሴንተር’’ ንምምርማር ከምዘይክኣሉን ኣብ ኢዶም ዝርከብ መረዳእታ ናይ ሕክምና ሰንድ ጥራሕ ምዃኑን ሓቢሮም።ዝተፃረየን ክሲ ዝተመስረቶምን ኣዚዮም ውሑዳት እዮም ይብሉ ኣቶ ኣበራ።

‘’መን ተደፊረን ኢልና ናይ ፀጥታ ሓይሊ ምስ ሕብረተሰብ ብምዃን ገዛ ንገዛ ዳህሳስ ብምክያድ ዘምፃእናዮ ሪፓርት ኣይኮነን’’ ዝበሉ ኣቶ ኣበራ ክሳብ ሕዚ ካብ ሆስፒታላትን ክሊንካትን ግዳያት መጥቓዕቲ ናብ ማእኸላት ሕክምና መፂኦም ዘመልከቱ እዮም’’ ይብሉ።

ብዛዕባ ፈፀምቲ ናይቲ መጥቓዕቲ ክገልፁ ከለው ‘’80 ምእታዊ ዝተደፈራ ብሻዕብን ብናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻልን እዩ።ዝበዝሕ ቁፅሪ መን እዩ ፈፃሚኡ እንተይልካ ግን ሻዕቢያ እዩ’’ኢሎም።

ወታደራት ምክልኻል ኢትዮጵያ ‘’ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ፈፂሞምዎ’’ብዛዕባ ዝብሃል ናይ ምድፋር መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ኣሲድ ምፍሳስን ምቅፃልን ጥርዓናት ከምኡ እውን ተሓታትነት ብዝምልከት ምላሽ ንምርካብ ንናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ኤታ ማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ናይ ምክልኻል ኢንዶክትሪነሽን ዋና ዳይረክተር ሜጀረ ጀነራል መሓመድ ተሰማን ንምዝርራብ ናብ ኢድ ስልኮም ደዊልና ኣየልዐሉን።

ኣብዚ ፀብፃብ ዝቐረቡ ዝርዝር ክስታትን ‘’ናይ ምድፋር ፆታዊ መጥቓዕቲ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ’’ዝብል ዝበሉዎ እንተዘይሃለወ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ተረኺቦም ዝተናገሩ ናይ ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞትዮስ ኣብ ግጭት ትግራት ‘’ተፈፂሞም’’ብዛዕባ ዝተብሃሉ ፆታዊ መጥቓዕትታትን ናይ ስቪላት መቕተልትን ብወታደራዊ ቤት ፍርዲ ብናይቲ ክልል ፖሊስን ዓቃቢ ሕግን፣ብመርመርቲ ፌደራል ፖሊስን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ምርመራታት እናተኻየደ ምዃኑ ገሊፆም።ብፍላይ ብወታደራዊ ቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ውሳነ ብዝምልከት ‘’ወታደራዊ መርመርቲ ፆታዊ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙን ብምድፋር ገበን ዝተጠርጠሩን 25 ወታደራት ክሲ መስሪቶም ኣለው፤ናይቲ ክሲ መስርሕ እውን ቀፂሉ ኣሎ።ኣብ ቀረባ ውሳነ ክህሊ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።ይካየዱ ካብ ዘለው መስርሓት ብተወሳኺ ሰለስተ ወታደራት ብኣስገዳድ መድፈርቲ ጥፍኣተኛ ተባሂሎም ተፈሪዱዎም ኣሎ።ሓደ ወታደር ድማ ንስቪል ብምቕታል ጥፍኣተኛ ተባሂሉ ተፈሪዱዎ ኣሎ’’ኢሎም።

ዶክተር ጌዲዮን ብዛዕባ ዓይነትን መጠን ቅፅዓትን ዝተወሃበ ፍርዲ ኣይተዛረቡን።ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈፀመ ፆታዊ መጥቓዕቲታትን ካልኦት ገበናትን ‘’ዝጥርጠር ኣካል ኣሎ’’ክብሉ እቶም ዓቃቢ ሕጊ ወሲኾም ገሊፆም።

እቲ ሚዲያን ካልኦት ኣካላትን ከስተውዕሉዎ ጠቓሚ ዝመስለኒ ነጥቢ ህወሓት ንመቐለ ቅድሚ ምግዳፉ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ንዝኾኑ ልማደኛታትን ዝተፈረዶምን ገበነኛትት ፈቲሑ እዩ።ስለዚ ኣብ ኩሎም ዓይነት ገበናት ክዋፈሩ ዝኽእሉ ዝተፈረዶምን ዘይተትሓዙን ብርክት ዝበሉ ገበነኛታት ኣለው’’ኢሎም።

ሪኢቶ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ኒው ዮርክ ናብ ዝርከብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጥሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ሪኢቶ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ስልኪ ደዊልና ኣይተዓወተን።

ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ይፍፀሙ ኣለው ብዛዕባ ዝብሃሉ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ኣሉ ክብል ምፅንሑ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG