ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ራማፎዛ ንዝተናውሐ ወፍሪ ኣጎዋ ይጽውዕ


ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪይል ራማፎዛ ኣብ ዋዕላ ኣጎዋ
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪይል ራማፎዛ ኣብ ዋዕላ ኣጎዋ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝቃናዕ ዘሎ፡ ብኣሕጽሮ-ቃላት “ኣጎዋ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንግዲ ናጻ-ቀረጽ ኣመሪካን ገለ ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪይል ራማፎዛ ንዘላቒ ለውጢ፡ ዝተናውሐ ወፍሪ ክግበር ጸዊዑ።

እዚ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣብ መንጎ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝተፈረመ ስምምዕ፡ እተን ሃገራት ናብ ኣመሪካ ብዘይ ቀረጽ ንብረት ክሸጣ ዘኽእል ኰይኑ ኣብ 2025 ከብቅዕ ምዃኑ ይንገር።

ፕረዚደንት ራማፎዛ ኣብ መግለጺኡ፡ ምቍራጽ እዚ ስምምዕ፡ ኣውፈርቲ ኣብ ዝተናውሐን ውሑስን ጽላታት ወፍሪ ንኸይገብሩ ዝዕንቅጽ ስለ ዝዀነ ክናዋሕን ኣብ ቅርጹ ምምሕያሽ ክግበረሉን ጸዊዑ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍርታት ንምቕጻል ናይ 10 ዓመታት ምንዋሕ ክግበር ይጽውዓ ኣለዋ። ኣብቲ ርክብ ዝተረኸበት ተወካሊት ንግዲ ኣመሪካ’ውን እቲ ስምምዕ ንኽልቲኡ ኣካላት ኣዝዩ ከም ዘርብሐ ገሊጻ። ምምሕዳር ባይደን’ውን ነቲ ውዕል ናይ ምንዋሕ መደብ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ተጋባእቲ ኣብ ዝፈነዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ሃገሩ ነቲ ውዕል ናይ ምንዋሕ ድሌታ ከም ዘለዋ ኣነጺሩ ኣሎ። ብሊንከን ኣብ መግለጺኡ፡ ንውዕል ኣጎዋ ከም ዘለዎ ምቕጻል ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ባይቶ ኣመሪካ ብምልፋን ዝበለጸ ንግምባሩ ኣብ ምስራሕ ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ውዕል ናጻ-ቀረጽ ተጠቒመን ናይ ልዕሊ 10 ቢልዮን ሰደድ ንኣመሪካ ምግባረን ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።

ኢትዮጵያ፡ ንመትካላት እቲ ውዕል ጥሒሳ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ፈለማ 2022 ካብዚ ናጻ-ቀረጽ ዝዀነ ስምምዕ ምእላያ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG