ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰልፊ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኒውዮርክ ፊት ንፊት ህንጻ ሕ/ሃ ተኻይዱ


ገለ ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኒውዮርክ ፊት ንፊት ህንጻ ሕ/ሃ ሰልፊ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።

እቶም ተቃወምቲ ‘ፍትሒ ንኢትዮጵያ፣ ዴሞክራሲ ንኢትዮጵያ ይብሉ ነይሮም።

ወሃቢ ቃል’ቶም ተሰለፍቲ በላይ ብርሃኑ፣ ኣብ’ቲ ሰልፊ ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ኒውዮርክን ከባቢኣን’ዮም ‘ነዚ ሰልፊ’ዚ ዘዳለናሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኣብ ዓድና ንዴሞክራሲ፣ ፍትሒን ነጻነትን ብሰላማዊ ኣገባብ ዝሓተቱ ስለዝተቀትሉ ንምቅዋምን፣ ንነጻነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ደው ከምዝበልናን ንምርኣይ’ዩ’ ኢሎም።

ኣብ ፍራንክፈርት’ውን ሰልፊ ውዒሉ’ሎ፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሎሚ ዕጹው ስለዝኾነ፣ መልሲ ክንረክብ ኣይካኣልና ይብል ቆንጂት ታዬ ዘዳለወቶ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG