ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ


ቀዳም 21 ሓምለ 2010 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።ህዝቢ መቐለን ከባብኣን ካብ ወጋሕታ ሰዓት 11 ጀሚሩ ናብ ስታድዮም ትግራይ ውሒዙ። ብኩሉ ኣንፈት ዝተመመ ህዝቢ ስታድዮም መቐለ ብባንዴራታት ኢትዮጵያ፣ኤርትራን ባንዴራታት ኩለን ክልላትን ማዕሪጉ እዩ ተቐቢልዎ። ኣብ ስታድየም መቐለ ካብ ዝነበሩ ጭርሖታት “ንዘላቒ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ደገፍና ንገልፅ፣ መንነት መሰረት ገይርካ ዝገበር ጥቅዓት ንኹንን” ዝብሉን ንኢንጅነር ስመኘው በቀለ ዘንፀባርቁ ምስልታት ብዝሓዙ ባነር ይርከብዎም ። ስታድዮም መቐለ ካብ ዓቐን ንላዕሊ መሊኡ ኣብ ከባቢኡ ብምዕሳል እውን ህዝቢ ነቲ መደብ ተኸታቲሉን ተሳቲፉን።

እቲ ናይ ሰልፊ ስነ ስርዓት ዝሓለፈ ሓሙስ ዝሞተ ዋና አካያዲ ስራሕ ናይ ህዳሴ ግድብ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ሓዊሱ ንሰማእታት ትግራይ ናይ ሕልና ፆሎት ብምግባር እዩ ተጀሚሩ። ስዒቡ ህዝቢ ብሓባር እታ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚራ ዝጸንሓት መዝሙር ህዝቢ ትግራይ “ዘይንድይቦ ጎቦ” ብሓባር ዘሚሩዎ።

ሰልፊ ከተማ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:17 0:00

ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለን ኣይተ ብርሃነ ገብረየሱስ እንኳዕ ድሓን መፃእኩም ምስ በሉ ዕላማ ሰልፊ ኣብሪሆም። እቲ ሰልፊ ሰላም ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንድግፍ፤ ዘርኢ መሰረት ገይርካ ዝግበር ጥቃዓት ንኹንን፤ ብሞት ኢንጅነር ስመኘው በቐለ ንሓዝን ዝብሉ ምኳኖም ድሕሪ ምሕባር ንክብሪ ጋሻ እቲ ዕለት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እቲ ሰልፊ ኣመልኪቶም ዘረባ ከስምዑ ዓዲሙዎም ።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንሰላም ህዝብታት ኤርትራን ዘለዎም ልባዊ ባህጊ ብምግላፆም፡ ሕጊ ክኽበርን ዘርኢ ፈሊኻ መጥቃዕቲ ንኩሉ ስለዘይጠቅም ክኹነን ከምዘለዎ ገሊፆም። ዶክተር ደብረፅዮን ብዘይካ እዚ ዘለና ዕድል ወይ ተኸባቢርካ ምንባር ወይ ድማ ምብትታን እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ከተማ መቐለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:24 0:00

XS
SM
MD
LG