ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣፍሪቃ ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን መርገፂ ክትሕዝ ኣለዋ" ራይላ ኦዲንጋ


ራይላ ኦዲንጋ -ፋይል
ራይላ ኦዲንጋ -ፋይል

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ሎሚ ሰሉስ 25 ሓምለ 2023: "ኣፍሪቃ ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን መርገፂ ክትሕዝ ኣለዋ" ክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ምዝራቦም ሮይተርስ ሓቢሩ።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ኣብ ኣፍሪቃ ጽልዋ ንምፍጣር ኣብ ዝወዳደራሉ ዘሎ ሕጂ እዋንን መራሕቲ ኣፍሪቃ ካብ 27-28 ሓምለ ኣብ ሴንት-ፒተርስበርግ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ይዳለወ ኣብ ዘለዉሉ እዋን እዩ።

ኦዲንጋ ነቲ ጉባኤ ኣብ ጽቡቕ እዋን ይካየድ ኣሎ ከምዘይኣምኑ ብምሕባር ቅኑዕን ግጉይን ጥራይ ኣማራፂ ኣብ ዝኾኑሉ ጉዳይ ገለልተኛ ምዃን ኣይከኣልን ስለዝኾነ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ፅኑዕ መርገፂ ክሕዙ ኣተሓሳሲቦም።

እኽሊ ዩክሬን ውሑስ ኮይኑ ብፀሊም ባሕሪ ናብ ዕዳጋ ዓለም ንኽበፅሕ ዝገበረን ንሓደ ዓመት ዘገልገለን ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሩስያ ረብሓኣ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኾነን ክትብል ነቲ ስምምዕ ከምዘይተናውሖ ምፍላጣ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG