ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ፈረንሳ ንጥርጡራት መጥቓዕቲ ፓሪስ ንምሓዝ አብ ከባቢ ሴይንት ደኒስ ፍተሻ የካይድ

  • ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ዋና ከተማ ፈረንሳይ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ግብረ-ሽበራ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ሰሜናዊ ፓሪስ ሰይንት ደኒስ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተኻየደ ስርሒት ጸረ-ኣሸበርቲ ክልተ ሰባት ሞይቶም ሸውዓተ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሎም።ቀንዲ መራሒ ናይቲ መጥቓዕቲ ተባሂሉ ዝጥርጠር ዓብድልሓሚድ ኣባውድ ኩነታት ግን ንጹር ኣይኮነን ይብል ካብ ፓሪስ ዝተረክበ ሓበሬታ።

ካብቶም ዝሞቱ ሓንቲ ዝተዓጠቐቶ ቦምብ ፈንጂራ ንርእሳ ዝቐተለት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ድሕሪ'ቲ ስርሒት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፓሪስ ፍራንስዋ ሞሊንስ ዒላማ እቲ ስርሒት 129 ሰባት ንዝቐተለ ናይ ዓርቢ መጥቓዕቲ መሪሑዎ እዩ ተባሂሉ ዝጥርጠር በልጄማዊ ጂሃዲስት ዓብድልሓሚድ ኣባውድ አብ ቁጽጽር ንምውዓል 'ዩ ድሕሪ ምባል መንነት ናይቶም ዝተቐትሉን ኣብ ቁጽጽር ዝውዓሉን ግን አብ ምጽራይ እዩ ዘሎ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ናይ ፓሪስ መጥቓዕቲ ተሓባበርቲ ይኾኑ እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ንምሓዝ አብታ ከተማ ፍተሻ ቀጺሉ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG