ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠንቂ ኬሚካላዊ ንጥረ ነገር ራዲየም ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮን


ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ራዲየም ናይ ካንሰር ሕበጥ፡ምስባር ኣዕፅምትን፡ዘስካሕክሕ ምቑራፅ ኣካላትን ኣጋጢሙወን

ኣብ ፈለማ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኬሚካላዊ ንጥረ ነገር ራዲየም ንገለ ሕማማት ከምዘሕዊ ይእመነሉ ነይሩ።ናይ ኢድን ግድግዳን ሰዓታት ኣብ ፀልማት ንኸብረቕርቑ እውን የገልግል ነይሩ።ኣብ ማእኸላይ ምዕራብ ክፍለ ግዝኣት ዩናይትድ ስቴትስ ኤሊኖይ ኣብ ትርከብ ንእሽተይ ከተማ ኦታዋ ሰዓታት ንኽብረቕርቑ ቀለም ይቐብኣ ዝነበራ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጠመን ሓደጋ ግን ናይ ራዲየም ሓደገኝነት ንኽፍለጥ ገይረን እየን፡ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሕጊ ሰራሕተኛታት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንኽልወጥ’ውን ገይሩ እዩ።

ማድሊን ፒለር ብዛዕባ ንናይ ጨረር ራዲየም ዝተቓልዑ ሰባት ብዛዕባ ዝበፅሖም ጉድኣት ንምፍልጣ ፃዕሪ ዝገበረት ሰብ እያ።

ኣብ 1920ታትን 30ታትን ካብ 13 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድሚአን መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት ኤሊኖይ ከተማ ኦታዋ ኣብዝርከብ ፋብሪካ ራዲየም ዳያል ንኽሰርሓ ይምልመላ ነይረን።ናይ ኢድን ግድጋዳን ስዓታት ኣብ ፀልማት ንኸብለጭልጭ ምእንታ ብመርዛም ንጥረ ነገር ራዲየም ምቕባእ ነይሩ ስርሐን።

ኣብ 1952 ኣ/ፈ መራሕቲ ፋብሪካ ራዲየም ዳያል ብዛዕባ ኣሉታዊ ሳዕቤን እቲ መርዛም ንጥረ ነገር ይፈልጡ ነይሮም።እንተኾነ ንሰራሕተኛታቶም ኣይተዛረቡን፡ተወሳኺ ምቅላዕ ንኸይስዕብ እውን ናይ ጥንቃቐ ስጉምቲ ኣይወሰዱን።

በዚ ምኽንያት ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ካንሰር ሕበጥ፡ምስባር ኣዕፅምትን፡ዘስካሕክሕ ምቑራፅ ኣካላትን ኣጋጢሙወን እዩ።

XS
SM
MD
LG