ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት ኩናት ንመራሒ ቦዝንያውያን ሰርብ ነበር ራዳቫን ካራዲች ን40 ዓመት ክእሰር በይኑ
ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበን: መራሒ ቦዝንያውያን ሰርብ-ነበር ራዳቫን ካራዲች 8 ሽሕ ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ሰርበኒካ ብምጽናቱ’ዩ ገበነኛ ኮይኑ ረኺብዎ። እቲ ኣብ 1995 ዓ.ም.ፈ ዝተፈጸመን ብጃምላዊ ህልቂት ሰርበኒካ ዝፍለጥን ቅትለት ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾኑ ቦዝንያውያን’ዩ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዋደደ ሓያሎ ገበናዊ ክስታት ክምስረት ቀሲብዎ። ራዳቫን ካራዲች ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ ነቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ናይ መዕጸዊ ቃል ተግባራቱ ሞራላዊ ሓላፍነት ዝተሰከመን ንቦዝንያዊያን ንሰርብ ንምክልኻል ኢሉ ኣብ ግዜ ኲናት ዝወሰድ ስጉምቲ ምውሳዱ’ዩ ገሊጹ። ራዳቫን ካራዲች ኣብ ኲናት ድሕረ-ምፍራስ ዩጎዝላቭያ ይህደን ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ ካብ 1992-1995 ዓ.ም.ፈ ዝጸንሐ ኩናት ቦዝንያ 100,000 ሰባት ምሟቶም ይግመት። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ካራዲች ብብዙሓት ቦዝንያዊያን ሰርብ ከም ጅግና ከምዝረአይን ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ናይ ዩኒቨርሲቲ መደቀሲ ብስሙ ምጽውዑ ይፍለጥ።
ኢፒሶዳት
-
መጋቢት 01, 2021
ሚካል ጸጋይ: ንፓርላማ ሆላንድ ትወዳደር ዘላ ኤርትራዊት ሆላንዳዊት መንእሰይ
-
ለካቲት 27, 2021
ሪፖርት ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ማይካድራ
-
ለካቲት 27, 2021
ሰልፊ ተወላዶ ተጋሩ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ
-
ለካቲት 26, 2021
ሰልፊ ኤርትራዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ
-
ለካቲት 17, 2021
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤልን ቀረብ ክታበት ቫይረስ ኮሮናን
-
ለካቲት 05, 2021
መልእኽቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንተሳተፍቲ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ