ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት ኩናት ንመራሒ ቦዝንያውያን ሰርብ ነበር ራዳቫን ካራዲች ን40 ዓመት ክእሰር በይኑ
ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበን: መራሒ ቦዝንያውያን ሰርብ-ነበር ራዳቫን ካራዲች 8 ሽሕ ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ሰርበኒካ ብምጽናቱ’ዩ ገበነኛ ኮይኑ ረኺብዎ። እቲ ኣብ 1995 ዓ.ም.ፈ ዝተፈጸመን ብጃምላዊ ህልቂት ሰርበኒካ ዝፍለጥን ቅትለት ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾኑ ቦዝንያውያን’ዩ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዋደደ ሓያሎ ገበናዊ ክስታት ክምስረት ቀሲብዎ። ራዳቫን ካራዲች ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ ነቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ናይ መዕጸዊ ቃል ተግባራቱ ሞራላዊ ሓላፍነት ዝተሰከመን ንቦዝንያዊያን ንሰርብ ንምክልኻል ኢሉ ኣብ ግዜ ኲናት ዝወሰድ ስጉምቲ ምውሳዱ’ዩ ገሊጹ። ራዳቫን ካራዲች ኣብ ኲናት ድሕረ-ምፍራስ ዩጎዝላቭያ ይህደን ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ ካብ 1992-1995 ዓ.ም.ፈ ዝጸንሐ ኩናት ቦዝንያ 100,000 ሰባት ምሟቶም ይግመት። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ካራዲች ብብዙሓት ቦዝንያዊያን ሰርብ ከም ጅግና ከምዝረአይን ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ናይ ዩኒቨርሲቲ መደቀሲ ብስሙ ምጽውዑ ይፍለጥ።
ኢፒሶዳት
-
መጋቢት 14, 2025
ግንዛበ መሰላት ደቀንስትዮ ንቕድሚት'ዶ ንድሕሪት? -- ዘተ
-
መጋቢት 14, 2025
ምህርቲ ሕርሻ ንምዕባይ ዝሕግዝ መሳርሒ
-
መጋቢት 13, 2025
ሶርያ ንዝተፈጸሙ ቅትለትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሒ ትደሊ
-
መጋቢት 13, 2025
ቅዱስ ወርሒ ጾመ ረመዳን ኣብ ከተማ ምጽዋዕ
-
መጋቢት 12, 2025
ምእሳር ፍልስጤማዊ ተመሃራይ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያን ዘስዓቦ ክትዕን
-
መጋቢት 12, 2025
ምስ ደራሲት ገነት ይብራህ