ኢትዮጵያዊ ካህን ዘልኣለም ሞላ በተን አርቃይ ተዓጢቐን ቀለም እናጠምዓ ብጥንታዊ ቋንቋ ግእዝ ዝተፃሕፉ ሃይማኖታዊ ፅሑፋት ብጥንቃቐ ለፊዑ ናብ ዝተዳለወ ቆርበት የሕልፍምም። እዚ ፃዕሪ ዝሓትት ስራሕ ጥንታዊ ሓድጊ ንምዕቃብ ዝዓለመ ምዃኑ ቀሺ ዘልኣለም ይዛረቡ።
ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ትካል ሃመረ ብርሃን ካህናትን ገለ ሃይማኖታውያን ኣገልገልትን ሓሓሊፉ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀሩ ሃይማኖታዊ መፃሕፍትን ቅዱስ ስነ-ጥበባዊ ስራሓትንስረሓትን ብኢዶም እናፀሓፉን እናሰኣሉን ንኽዕቀቡ ይሰርሑ።
ነዚ ስራሕቲ ዘገልግሉ ከም ብራና:ዝለፍዐ ቆርበት: ብርዕን ቀለማትን ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ፒያሳ ዝርከብ ትካል ሃመረ ብርሃን እዩ ዝዳሎ። ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ሃመረ ብርሃን የሺእመቤት ሲሳይ እዚ ሓድግታት ንምዕቃብ ተባሂሉ ዝተጀመረ ተግባር ቅድሚ አርባዕተ ዓመት ምጅማሩን ጥንታውያን መፃሕፍቲ ብራና እናጠፍኡ ምምፀኦም ነዚ ስራሕ ክደፍእሉ ከምዘለዓዓሎም ትገልፅ።
ቅጥዒ