ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንግስቲ ኤልሳበጥ ብኣፍሪቃዊያን ትዝከር


ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ተዘክሮታቶም ኣብ ዘስምዕሉ እዋን፡ ኬንያውያን ኣብ 1952 ኣብ ሃገሮም ንዝገበርኦ ዑደት ድማ ብፍሉይ ይዝክሩ። ተንተንቲ ታሪኽ ድማ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ ምብቃዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝን፡ ግዝኣታዊ ምዝመዛ ከብቅዕ ኣብ ምግባርን ዝተጻወተኦ ተራ ብኣወንታ ይትንትኑ። ይኹን`ምበር ሽሕ`ኳ እቲ ዝምድናታት ይዕረን ይስበርን እንተነበረ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ግን ነባሪ ቁስሊ ገዲፉ`ዩ ይብሉ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝበጸሐትሉ እዋን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንግስነት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘኽተመሉ እዋን`ዩ ዝነበረ። ንሳ ናብ ንግስነት ኣብ ዝመጸትሉ እዋን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተን ክረኽባ ይቃለሳሉ ዝነበረ እዋን`ዩ።

ማቻሪያ ሙኒን፡ ኣብ ኣመሪካ ፕሮፈሰር ዓለምለኸ ትምህርቲ`ዩ ከምዚ ድማ ይብል፡“ምስቲ ህልው ኩነታት ምንቁልቋል ባዕዳዊ መግዛእቲ ክትሳነ ክኢላ`ያ። ነቲ መግዛእቲ ናብ ጽቡቕ መንፈስ ክትቅይሮ ፈቲና`ያ። ሓደ ናይዚ ኣብነት ድማ፡ ንሰባት ኣካል`ቲ ንግስነት ከምዝኾኑ ምግባር`ዩ፡ እዚ ድማ ኣካል ሓባራዊ ሃብቲ ከምዝኾኑ ምግባር`ዩ” ይብል።

ንገለ ኣፍሪቃውያን ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ምዝመዛ`ዩ። ኣብቲ እዋን ንዝተገብረ ግፍዕታት፡ ነታ ንግስትን ንሰብ ረብሓ እንግሊዝን ይኸሱ። ጊቱ ካሀንገሪ፡ ኣባል ማሕበር ገዳይም ጡረተኛታት`ዩ፡ ከምዚ ይብል፡“ኣነ ንባዕለይ ንሸውዓተ ዓመት ዝተኣሰርክሉ ክርስዖ ኣይክእልን`የ። ምስ ኣቦይ ብሓንሳብ ከም እንእሰር ዝተገበርኩሉ እዋን ክርስዖ ኣይክእልን`የ። ንደቀይ ብዘይ መግቢን ብዘይ ትምህርትን ንሸውዓተ ዓመታት ዝገደፍክዎም ከመይ ኢለ ክርስዖ። እዚ ክርሳዕ ኣይክእልን`ዩ “ ይብል።

ይኹን`ምበር ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ዘብቅዕ 10'ታት ዓመታት ኣብ ዝሓለፈሉ እዋን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተገብረ ጌጋታት መግዛእቲ እንግሊዝ`ውን ተዘክሮታቱ እናሃሰሰ`ዩ ይኸይድ ኣሎ።

ፕሮፈሰር ማቻርያ "ንግስቲ ኤልሳበጥ ብብዙሓት ብብዙሕ`ያ ትርኣይ ኔራ። ንግዳያት ባዕዳዊ መግዛእቲ መርኣያ ሕሰም መግዛእቲ`ያ ኔራ። ድሕሪ ናጽነት ግን ነብሳ ናብ ተፈታዊት ክትቅይሮ ክኢላ። ትፍቶ ድማ ኔራ” ይብል ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዙሓት ከም ኣብነታዊት ሰብ ኮይና`ውን ትራኣይ`ያ። በነዲክት ያርተይ ነባሪ ጋና ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ውርሻ`ታ ንግስቲ ከምዚ ይብል፡“ ገዲፋትልና ዝኸደት ውርሻ፡ እቲ ሽማ ኣብ ልቢ ወሎዶታት ሱር ሰዲዱ ዝቕጽል`ዩ “ ይብል።

ሶፍያ ኤማኑኤል ዝተባህለት ነባሪት ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ከምዚ ትብል፡“ ኣነ ሓዚነ`የ። ንዓይ ፍሉይ ሓዘን ተሰሚዑኒ ማለት ዘይኮነስ፣ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዘለዉ ኩሎም ሓዘን`ዩ፡ ብፍላይ ድማ ንእንግሊዝ “ ትብል።

ነባሪት ናይጀርያ ዝኾነት ታንደ ካማሊ፡ ክንዲ ዝነውሕ ዓመታት ዝጸንሐት ገዛኢት ኣይፈልጥን`የ። ካብ ኮነ ግን ኩሉ ሰብ መወዳእታ ከምዘለዎ`ዩ ዘርእየካ ትብል።

ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ ዝዓበየ ውርሻ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ነቲ ኮመን ወልዝ ዝብሃል ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ምፍጣራ`ዩ። ሕጂ ምስ ምሕላፍ`ታ ንግስቲ ፡ እቲ መጻኢ ውርሻ ኣብ ልዕሊ`ቲ ሓዲሽ ንጉስ ንጉስ ቻርለስ 3ይ ዝዓርፍ`ዩ።

XS
SM
MD
LG