ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ፕረ. ትራምፕ ቅልውላው ወሽመጥ ንምፍታሕ ጻዕርታቶም የዛይዱ ኣለው” ሚ/ጉ/ወ/ ቐጠር


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል ታኒ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል ታኒ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንቕልውላው ወሽመጥ ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ክርከብሉ ጻዕርታቶም ከምዘበርትዑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል ታኒ ትማሊ ሰኑይ መስከረም 25,2017 ኣፍሊጦም።

ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል ታኒ ነዚ ዘፍለጡ ኣብ ፓሪስ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ክኸውን እንከሎ: ካብ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝርርብ ንምፍታሕ ዘለዎም ልዑል ድሌት ከምዝተገንዘቡ’ዮም ገሊጾም።

ንመግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል ታኒ ስዒቡ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተዋህበ መብርሂ ግን የለን።

ኣብ ፈለማ ምጅማር ቅልውላው ወሽመጥ ምዃኑዩ: ሃገራት ስዑድዓረብ: ኢማራት: ግብጽን ባሕረይንን ፖለቲካውን ንግዳውን ርክባተን ምስ ቐጠር ድሕሪ ምብታኸን: ፕረዚደንት ትራምፕ ቐጠር ዝለዓለት መዋሊት ግብረሸበራ ኢሎም ምግላጾም ይዝከር።

እቲ ስጉምቲ ምስታ ናይ ዓለምና ዝበዝሐ ምህርቲ ባህርያዊ ጋዝ ብምልኣኽ ትፍለጥን ኣብቲ ዞባ ድማ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዝርከባ ቐጠር ኣብ ኣርእስቲ ምብታኽ: ፖለቲካውን ንግዳውን ርክባት ናይ ኣየርን ናይ ባሕርን መገድታት’ ውን ምዕጻወን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG