ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቐጠር ኣብ ደማስቆስ ኤምባሲ ክትከፍት ትዳሎ


 ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ማጂድ ኣል ኣንሳሪ - ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ማጂድ ኣል ኣንሳሪ - ፋይል

ቐጠር ኣብ ደማስቆስ ኤምባሲ ክትከፍትን ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ሶርያ ዝምድና ከተሐይል ምምዳባን ሎሚ ረቡዕ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቢላ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ ሓቢራ።

እቲ ተበግሶ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ንምድንፋዕ ምዃኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ይሕብር። ንህዝቢ ሶርያ እንኮላይ ብኣየር ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ቐጠር ድልውቲ ምህላዋ’ውን ኣመልኪታ ኣላ።

ዶሓ ካብ ሓምለ 2011 ኣትሒዛ ምስ ምምሕዳር በሺር ኣልኣሳድ ዝምድና በቲኻ’ያ ጸኒሓ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓድሽ ምምሕዳር ሶርያ፡ እታ ሃገር ንዅላቶም ሃይማኖታት ብማዕረ እተኸውንን ብዙሕነት ዝሕለዋላን’ዩ ክብል ገሊጹ። በቲ ጥምረት ከም መራሒ መሰጋገሪ ተመሪጹ ዘሎ መሓመድ ኣል-በሺር፡ “ኣስላም ስለ ዝዀንና፡ ኣብ እምነትና ዝተመስረተ ንብዙሕነት ዘኽብር መንግስቲ ኢና እንምስርት፡” ኢሉ።

ኣቐዲሙ ብመንግስቲ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ከም ኣሸባሪ ጉጅለ ዝተሰየመ ሓድሽ መሪሕነት ሶርያ፡ ብዙሓት ሃገራት ጥንቁቕ ትዕዝብቲ’የን ዘካይዳ ዘለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG