ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቐጠር ብሃገራት ወሽመጥ ዝቐረበ ቅድመ ኩነት መልሲ ሂባ


ፋይል- ቐጠር,ዶሃ
ፋይል- ቐጠር,ዶሃ

ኣርባዕተ ሃገራት ነቲ ብሃገራት ወሽመጥ ዝቐረበ ቅድመ ኩነት ግብረ መልሲ ቐጠር ምርኻቦም ገሊጾም። ቐጠር ነቲ “ግብረ ሽበራ” ትድግፍ’ያ ዝብል ክሲ መሰረት ዘይብሉ ዝብል መልሲ ክትህብ ከላ ነቲ ዝቐረበ ቅድመ ኩነት ድማ “ዘይክውን” ክትብል መልሲ ሂባ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ግብረ መልሲ ቐጠር ካብ መንጎኛ ኩዌት ከምዝረኸቦ ድሕሪ ምሕባር እተን ኣርባዕተ ሃገራትን’ውን መልሰን ኣብ ሓጺር ጊዜ ከምዝህባ ኣፍሊጦም።

ገለ ካብተን ዝምድና እተን ሃገራት ምስ ቐጠር ንምምላስ ዝቐረባ 13 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ ኩነት ወታደራዊ መደብር ቱርኪ ኣብ ቐጠር ክዕጸው፡ መደበር ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ክዕጸውን ዝምድና ቐጠር ምስ ኢራን ደው ክብል ዝብል ይርኸብዎም።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቐጠር ሸኽ መሃመድ ቢን ዓብዲራህማን ኣል ታኒ ብወገኖም ከምዚ ዓይነት ጠለባት ክውንን ክትግብር ዝኸአልን ኽኸውን አለዎ እዚ ግን ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ጉዳያት እቲ ዞባ በዓል ሙያ ዝኾኑ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ አሚን ሳኪል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እዚ ኣብ መንጎ ቐጠርን ሃገራት ወሽመጥ ዘሎ ምስሕሓብ ንቐጠር ናብ ቱርኪን ኢራንን ዝያዳ ክትውከል ዝደፋፍእ’ዩ ኢሎም።

Recommended

XS
SM
MD
LG