ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀጠር ንሰራዊታ ካብ ኣሳሓሓቢ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ስሒባ


ቀርኒ ኣፍሪቃ
ቀርኒ ኣፍሪቃ

ቀጠር ካብ’ቲ ትሽምግሎ ዝነበረት ኣሳሓሓቢ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ሰራዊታ ከምዝሳሓበት ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጣ።

ቀጠር ስለምንታይ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደት ኣይነጸረትን፣ ይኹን’ምበር፣ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ምስኣ ንዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ድሕሪ ምብታኸንን ንቐጠር ካብ ዓለም ንምንጻል ጻዕሪ ኣብ ዝገበራሉን እዋን’ዩ ነቲ ስጉምቲ ወሲዳ።

‘ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ብ450 ወትሃደራት ቐጠር ይሕሎ ከምዝነበረ’ ንወሃቢ ቃል ደባይ ተዋጋእቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነስረዲን ዓሊ ዝጠቀሰ ምንጪ ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ዓቃቢ ሰላም ቐጠር ካብ’ቲ ዶብ ድሕሪ ምስሓቦም ወትሃደራት ኤርትራ ነቲ ከባቢ ከምዝተቖጻጸርዎ’ውን ነስረዲን ዓሊ ገሊጹ’ሎ።

ሚኒስትር ወጻኢ ኤርትራ ሶኒ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ብኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምብታኽ ርክብ፣ ኣብ ቅኑዕ ኣንፈት ዘሎ ስጉምቲ’ ከምዝበሎ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ንኣሶሴትድ ፕረስ ክዛረቡ ከለው ‘እቲ ስጉምቲ’ቲ ዝተወሰደ፣ ኤርትራ ምስ ቀጠር ንዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ድሕሪ ምብታኻ’ዩ’ ኢሎም’ለው።

ጂቡቲ ብወገና ‘ስለስምረትን ምሕዝነትን ምስ ሃገራት ወሽመጥን ዓረብን ከምኡውን ስለ ዓለም-ለኸ ውግእ ጸረ ግብረ-ሸበራ ኢላ ምስ ቀጠር ንዝነበራ ርክብ ኣትሒታቶ’ላ’።

XS
SM
MD
LG