ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቐጠር መደበር ቴለቪዥን ኣልጀዚራ ክትዓጹ ተሓቲታ


ቐጠር መደበር ቴለቪዥን ኣልጀዚራ ክትዓጹ ተሓቲታ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:42 0:00

ቐጠር መደበር ቴለቪዥን ኣልጀዚራ ክትዓጹ ተሓቲታ

ስዑድ ዓረብ ዝመራሒተን ምስ ቐጠር ዝምድና ዝበተኻ ሃገራት ዓረብ: እቲ ዝምድና ክምለስ እንተኾይኑ በዓል 13 ነጥብታት ቅድመ ኲነት ኣቕሪበን።

ብመሰረት እቲ ናብ ቐጠር ዝተዋህበ ንምምላስ ንቡር ዝምድና ዝሓትት ቅድመ ቅድመ ኲነት ፡ ቐጠር መደበር ቴለቪዥን ኣልጀዚራ ክትዓጹ: ዝምድንኣ ምስ ኢራን ክትበትኽ: ኣብታ ሃገር ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ቱርኪ ህላወኡ ከብቅዕን ንግብረ ሽበራዊያን ዝተባህሉ ውድባት ምሕብሓብን ምሕጋዝን ከተቋርጽ ዝጠልብ’ዩ።

ነቲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ድማ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ውሽመጥ ንዝተፈጥረ ቅልውላው ኣብ ምሽምጋል ትርከብ ኩዌት፥ ነቲ 13 ነጥቢ ዝሓዘ ጠለብ ስዑድ ዓረብ ዝመራሒተን ምስ ቐጠር ዝምድና ዝበተኻ ሃገራት ናብ ቐጠር ከምዘረከበት ተሓቢሩ።

ቐጠር ድማ ነቲ ጠለብ ከም እተማልእ: ኣብ ዝመጽእ 10 መዓልታት ከተፍልጥ ብተወሳኺ ከምዝተሓተተት ወኪል ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ጠቒሱ።

ዛጊት ብወገን ቐጠር ዝተዋህበ ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ: ኣሶስየትድ ፕረስ እቲ ዝቐረበ ጠለብ ነታ ብባህርያዊ ጋዝ ሃብታም ዝኾነት ቐጠር ከተማልኦ ከምዘጸግማ ገሊጹ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ነቲ ንምዕጻው መደበር ቴለቪዥን ኣልጀዚራ ከም ቅድመ ኩነት ዘቕረበ ጠለብ።

ቐጠር ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ክሳብ ዘይተላዕለ ንዘተ ቅርብቲ ከምዘይኮነት ክትገልጽ ምጽንሓ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG