ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

PVI ንክሲታት መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ሂቡሉ


PAUL GIBBINS
PAUL GIBBINS

4 እንግሊዛዊያን ስለዝተፈትሑ ልዑል ፍስሃ ተሰሚዑና'ሎ ይብል


ትካል PVI ኣብ ሉኣላዊ ማያውን ደሴታውን ግዝኣታት ኤርትራ ብኣፅዋር ዝተሰነየ ተግባራት ወራር ፈፂሙ፣ኣብ ደሴት ሃርሚልን ከባቢኣን ንዘሎ ምንቅስቃስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ስለያዊ ተግባራት ብምፍፃሙ፣እቲ ትካል 11 ዕጡቃት ካብ ደሴት ሮምያ ሃዲሞም ከምዝስወሩ ምግባሩ ብገበን ተሓታቲ‘ዩ፣ከምኡውን ብምድላው ሽበራን ሽርሒን ምኽዋል መርተዖታትን ተሓተቲ‘ዮም ከምዝበለ ዝዝከር‘ዩ።

PVI ‘ከ እንታይ ይብል? እቲ ኩባንያ ናብ‘ቲ ምስሕሓብ‘ቲ ዝኣተወ ከመይ ኢሉ‘ዩ? ”እቲ ንኣርባዕተ ሰራሕተኛታት PVI (Protection Vessels International) ኣድማሳዊ ኩባንያ ሓለዋ መራኽብ ማለት‘ዩ፣ናብ ምትሓዝ ዘብፀሐ ተጓንፎ ይብል ፖል ጊብንስ፣ዘይተፀበናዮን ሃንደበትን‘ዩ ነይሩ።እቲ ፀገም ዝጀመረ ሓንቲ መርከብ PVI፣ነዳዲ ንምምላእን ንፅገናን ኢላ ብሃንደበት ኣብ መደብና ዘይነበረ ኣብ ወደብ ምፅዋዕ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን‘ዩ።ፒቪኣይ ነቲ ኣብ ዘይንፈልጦ ከባቢ ዘሎ ወደብ ምፅዋዕ ዝመረፀ ድሕሪ ሓያል ገምጋም‘ዩ” በለ።

ፖል ጊብንስ ወሲኹ ”ብዝኾነ መዐቀኒ ኣብ ተግባር ስለያ ኣይተሳተፍናን፣ ኣንፃር መንግስቲ፣ኣንፃር ፕረዚደንት ድዩ ኣንፃር ህዝቢ ኤርትራ ዝዓለመ ተፃባኣይ ይኹን ንቅንፀላ ዝወጠነ መደብ ፈፂሙ ኣይነበረናን።እቲ ተጓንፎ፣ሓደ ኩባንያ ፀጥታ ኣብ ዘይፈልጦ ወደብ፣ነዳዲ ክመልእን ንዝተበላሸወት መርከቡ ንክፅግንን ካብ ዝወሰዶ ሃንደበታዊ ምዕራፍ’ዩ ተፈጢሩ።ኣቃውማና፣ፆርናን ኩነታትናን ፍኹስ ዝበለ ንክመስል ብዙሕ ፃዕሪ‘ኳ እንተገብርና ዘጋጠመና ተፃብኦ ግና ልዕሊ ትፅቢትና እዩ” ይብል።

ከምኡ ኮይኑ‘ውን ንመንግስቲ፣ፕረዚደንትን ህዝቢን ኤርትራ ይቅሬታ ሓቲትና ኢና ይብል ፖል ጊብንስ።ይቅሬታ ሓቲትና ኢና ምባልካ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘቅረቦ ክሲ ወረራ፣ሽርሕን ሽብራን ትቅበል ኣለኻ ማለት ድዩ? ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ “ድሕሪ ምልቃቆም’ውን እንተኾነ፣ሓደ ነገር ክንዝክር ዝግባኣና ነገር ኣሎ። እቶም ኣርባዕተ እንግሊዛውያን፣ዘይተኸሰሱን ዘይተኣሰሩን ምንባሮም‘ዩ።እቲ ትጠቅሶ ዘለኻ መንግስታዊ መግለፂ፣ከምዚ‘ባ ገይሮም፣ከምዚ‘ባ ገይሮም ካብ ምባል ዝሓለፈ ኣይኮነን” ኢሉ።

XS
SM
MD
LG