ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበስልጣን ዞባ ፑንትላንድ ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ተዓዊትና ክብሉ ኣዊጆም


ወታደራዊ ኣዘዝቲ ዞባ ፑንትላንድ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ሱጅ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ድሕሪ ዝተኻየደ ከቢድ ውግእ ን71 ዕጡቓት ቐቲልና ንካልኦት 31 ድማ ማሪኽና ኣለና ኢሎም።ሰለስተ ወታደራቶም ተቐቲሎም ካልኦት ስለስተ ድማ ከምዝቖሰሉውን ገሊጾም ኣለው።

ሰበስልጣን ፑንትላንድ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ናብቲ ቦታ ወሲዶም ተማሪኾምን ተቐቲሎምን ንዝበሉዎም ኣባላት ኣል-ሸባብ ኣርእዮም ኣለው።ኣብቲ ከባቢ ኣዛዚ ሓይሊ ፑንትላንድ ጀነራል ሙሕያዲን ኣሕመድ ሙሴ እቲ ስርሒት ከምዝተዛዘመን ዝሃደሙ ሽዱሽተ ዕጡቓት ንምሓዝ ጻዕሪ ከምዝቐጸለን ሓቢሮም።

ብኻልእ ዜና ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ንወታደራዊ መደብር መንግስቲ ሶማል ብምጥቓዕ እንተወሓደ ንሽዱሽተ ወታደራት ከምዝቐተሉ ሰበስልጣን ሶማል ገሊጾም።

እቶም ናዕበኛታት ካብ ከተማ ሞቓድሾ ብኣንፈት ደቡብ 40 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ንዝርከብ ወታደራዊ መደብር ላኣንታ ቡር ሎሚ ከምዘጥቕዑ ሓቢሮም።

ኣብቲ መጥቓዕቲ ብዙሓት ወታደራዊ መኻይን ከምዝተትሓዛ ሰበስልጣን ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG