ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ዩክሬን ዘሎ ኵናት ከብቅዕ ምዕራባውያን ዕድል ኔርዎም"ፕረ. ቭላድሚር ፑትን


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ኣብ ዩክሬን ዘሎ ኵናት ከብቅዕ ምዕራባውያን ዕድል ኔርዎም ኢሉ።

ንኣሶሸይትድ ፕረስ ወሲኽካ ምስ ዓበይቲ ትካላት ዜና ዓለም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝገበረ ፕረዚደንት ፑትን፡ ሓደ እዋን ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆን ባይደን ኣብ ዝሰደዶ ናይ ጽሑፍ መልሲ፡ ንዩክሬን ኣጽዋራት ምቕባል እንተትገድፍዎ እቲ ኵናት ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዋርሕ መብቅዐ ኔሩ ከም ዝበሎ ገሊጹ።

ኣተሓሒዙ ልኡላውነትናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን እንተተተንኪፉ ግን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ካብ ምጥቃም ድሕር ከም ዘይንብል ንምዕራባውያን ደጊምና ክነዘኻኽር ይግባእ፡ ዕላማ ኑክሌራዊ ኣጽዋርና`ውን ንሱ`ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ብዛዕባ ምፍታሕ ተኣሲሩ ዘሎ ጋዜጠኛ ዎል ስትሪት`ውን ተሓቲቱ፡ ክንፈትሖ ከለና ብሚድያ ነጊርና ኣይኮናን ንፈትሖ ብምስጢር እምበር ድሕሪ ምባል፡ ምናልባት`ውን ብለውጢ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG