ዋሽንግተን —
ድሕሪ ሞት መራሒ ዕጡቕ ጕጅለ ቫግነር፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ “ኣሃዱ ወለንተኛታት” ኢሉ ዝጸውዖ ጉጅለ ንምቕጻል መደብ ከም ዘለዎ ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ምስ ላዕለዋይ መራሒ እቲ ጉጅለ ዝገበሮ ርክብ ኣመልኪቱ።
ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ኣብቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ዝተኻየደ ርክብ፡ ፑቲን ንላዕለዋይ መራሒ እቲ ጉጅለ ኣንድረ ትሮሸቭ ፡ነቶም ኣብ ዩክሬን ዘለዉ ኣሃዱ ከም መራሒኦም ኰይኑ ክቕጽልን ከወሃህድን ኣዘኻኺሩ።
ድሕሪ ሞት መራሒ እቲ ጉጅለ የቭገንይ ፕሪጎዢን ደስኪሉ ዝጸንሐ ጕጅለ ቫግነር በዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኰይኑ ክዓዪ ፑቲን መምርሒ ሂቡ ኣሎ። ኣብቲ ርክብ ምኽትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ`ውን ምስታፉ ተመልኪቱ ኣሎ።
ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጕጅለ ቫግነር በዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ናብ ዩክሬን ክምለስ ምዃኑ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጠቒሱ`ሎ፡፡
ቅጥዒ