ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መራሒ ቫግነር ካብ ውሽጢ ነፋሪት ብዝተተኰሰ ቦምባ’ዩ ተቐቲሉ” ፕረ. ፑቲን


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ መራሒ ዕጡቕ ጕጅለ ቫግነር ዝነበረ የቭገንይ ፕሪጎዢን ካብ መሬት ብዝተተኰሰ ሚሳይል ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ’ታ ተሳፊሩላ ዝነበረ ነፋሪት ብዝተፈንጀረ ቦምባ ምቕታሉ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ፑቲን ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ነቲ ናይ 23 ነሓሰ ቅትለት እቲ መራሒ ዕጡቕ ጕጅለ ኣመልኪቱ ክግበር ዝጸንሐ መርመራ ተዛዚሙ ናብኡ ከም ዝቐረበ ድሕሪ ምሕባር’ዩ።

ፑቲን እታ ነፋሪት ካብ ውሽጢ ብዝተተኰሰ ቦምባ ምቅጻላ ደኣ ይሓብር እምበር፡ መንን ስለምንታይን ከም ዝተፈጸመ ግን መግለጺ ከምዘይሃበ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ፕረዚደንት ፑቲን ንርክብ ሓምላይ ቅናት ጽርግያ ኣብ ቻይና ዘሎ መራሒ ሩስያ፡ ትማሊ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ንሰለስተ ሰዓታት ዝጸንሐ ርክብ ምክያዱ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ ንፕረዚደንት ሺ፡ ብዛዕባ ኲናት ዩክሬን ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቦ ድሕሪ ምምልካት ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ “ተስፉው ገስጋስ” ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ቻይና ኣብ ኲናት ዩክሬን ጸግዒ ከም ዘይብላ ትገልጽ። ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት ግን ነቲ “ዘይገለልተኛ” ዝተሰምየ መርገጺ ቻይና ኣይቅበለኦን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG