ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፑቲን ብጉጅለ ዋግነር ዝተኻየደ ናዕቢ ኮኒኖም


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ብዕሱብ ጉጅለ ዋግነር ዝተፈጸመ ዕግርግር ምፍሻሉ ብመርበብ ሓበሬታ ቤተ መንግስቲ ክሬምሊን ኣቢሎም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ንተሳተፍቲ ኢንዱስትሪያዊ መድረኽ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም ኢሎም።

እቲ መልእኽቲ መዓዝን ኣበይን ከምዝተቐድሐ ንፁር ኣይኮነን።

ፕረዚደንት ፑቲን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንህዝቢ ሩሲያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዕሱባት ዋግነር ንዝተኻየደ ናዕቢ ኮኒኖም።

እቲ ቅልውላው ንክሃድእን ምፍሳስ ደም ንምውጋድን ተዋጋእቲ ዋግነር ናብ ቤላሩስ ክምለሱ ዝተገብረሉ ስምምዕ ብዝምልከት ግን ፑቲን ዝሃቡዎ ርእይቶ የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG