ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፑትን ናይ ዩክሬን ሸትኡ ክሳብ ዝወቅዕ ሰላም ከምዘየለ ኣፍሊጡ


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ዩክሬን ሸትኡ ክሳብ ዝወቕዕ ሰላም የለን ኢሎም።

ዕላማና ኣይተቐየረን ዝበሉ ፕረዚደንት ፑትን፡ ተወሰኽቲ ወተሃደራት`ውን ምምልማል ከም ዘየድልይ ኣፍሊጦም። ፑትን ኣብ ውሽጢ ዩክሬን ጥራሕ ኣስታት 617-ሽሕ ሩስያውያን ወተሃደራት ኣለዉኒ ኢሉም።

ንዝሓለፈ 24 ዓመታት ንሩስያ ዝመርሑ ፕረዚደንት ፑትን ኣብዚ ዝቕጽል ፕረዚደንታዊ ምርጫ'ውን ከም ዝወዳደሩ ኣፍሊጦም ኣለው።

ፕረ.ፑትን ዝሓለፈ ዓመት ወተሃደራቱ ንርእሰ ከተማ ዩክሬን፡ ኪየቭ ምቁጽጻር ምስ ሰኣኑ፡ ነቲ በብዓመቱ በዚ እዋን ዝህቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሰገሮ`ኳ እንተኾነ፡ ሎሚ ዓመት ግን ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

በዚ መሰረት ሽሕ`ኳ እቲ ፍነወ ቁጽጽር ዝግበረሉ እንተኾነ ሕቶታት ካብ ህዝቢ ብተሌፎንን ብጋዜጠኛታትን ካብ ምዕራባውያን ጋዜጠኛታት ከይተረፈ ይቐርበሉ`ሎ።

ፕረ.ፑትን ኣብቲ መግለጺኡ ኣብ 2022 ወተሃደራዊ ክተት ምስ ኣወጀ ጥራሕ 486-ሽሕ ወተሃደራት ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ኩንትራት ከም ዝፈረሙ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሎሚ ግን ሓደሽቲ ምጽዋዕ ዘድሊ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል ኣስዒቡ “ዕላማና ምስ ወቓዕና ኣብ ዩክሬን ሰላም ክኸውን `ዩ” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG