ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ካብ ናይ ኣመሪካ ዝሓየለ ቦምባ ኒኵለር ንውንን፡” ፕረ. ፑቲን


“ካብ ናይ ኣመሪካ ዝሓየለ ቦምባ ኒኵለር ሩስያ’ያ እትውንን” ዝበለ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ንልኡላውነት ሩስያ ዝትንክፍ ወስታ ምስ ዝህሉ እቲ ኣዕናዊ ኣጽዋር ንምጥቃም ከም ዘይትማታእ ገሊጹ።

ሎሚ ረቡዕ ነዚ ኣርእስቲ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ንምርጫ ይዳለወሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ። ንዝመጽእ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘጻንሖ ድምጺ ክረክብ ምዃኑ ብዙሓት ይኣምኑ።

ፑቲን ኣብ ቃለ-ምምልሱ፡ ነቲ ዝማዕበለ ቦምባ ኒኵሌር ዝውንና ሃገራት ሩስያን ኣመሪካን ጥራይ ምዃነን ድሕሪ ምግላጽ፡ ካብ ክልቲአን ግን እቲ ዝሓየለ ናይ ሩስያ’ዩ ክብል ጠቒሱ። “ናይ ህልውናን ሉኣላውነትን ሕቶ ምስ ዝኸውን ነዚ ዘሎንና ኣጽዋር ክንጥቀመሉ ድማ ድሉዋት ኢና፡” ክብል ምዝራቡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG