ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፑቲን ሩስያ ካብ ስምምዕ ኣእካል ንምውጻእ ትሓስብ ከምዘላ ኣፍሊጦም


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምህርቲ ሕርሻ ዩክሬን ብጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ ናብቲ ዝሰፍሐ ዕዳጋ ዓለም ንኽቀርብ ዝተኣትወ ቃል ብዘይምትግባሩ ሩስያ ካብቲ ዝተገብረ ውዕል ንምውጻእ ትሓስበሉ'ላ ክብሉ ትማሊ ሰሉስ 13 ሰነ 2023 ኣፍሊጦም።

እቲ ውዕል ነቲ ሕቡራት ሃገራት ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንደሓር እቲ ዝኸፍኣ'ዩ ክብል ዝገለጾ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ኣዉሮጳ ዝተወለዓ ኲናት ዝተፈጥረ ቅልውላው መግቢ ዓለም ንምፍኳስ ተባሂሉ ዩክሬን ኣእካል ብጸሊም ባሕሪ ኣቢላ ንሰደድ ክትልእኽ ዘኽኣላ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን ቱርክን ዝሓለፈ ሓምለ ዝተበጽሐ ስምምዕ'ዩ ኔሩ።

ሩስያ ነቲ ውዕል ኣእካል ጸሊም ባሕሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ውዕል ዝፈረመት ሩስያ'ውን ድኹዒ ናብ ሰደድ ክትልእኽ ንምሕጋዝ ኣብቲ እዋን ብምስምማዕ'ዩ። እንተኾነ ግን እዚ ብሰንኪ ምዕራባውያን ዝፍጸምዎ ምትላል ኣይተተግበረን ክብሉ ፑቲን ተዛሪቦም'ለዉ።

ፕረዚደንት ፑቲን ምስቶም ነቲ ኲናት ዝከታተሉ ሪፖርተራትን ጸሓፍቲን ኣብ ዝተረኸብሉ እዋን "ካብቲ ውዕል ኣእካል ንምውጻእ ንሓስብ'ለና" ድሕሪ ምባል ዩክሬን ንሰደድ እኽሊ ተባሂሉ ዝተኸፍተ መተሓላለፊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምውፋር ትጥቀመሉ ኣላ ክብሉ ከሲሶም።

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረስ ነቲ ውዕል ንምንዋሕ ይሰርሑ ምህላዎም ኣቐዲሞም ብሰኑይ ገሊጾም ኔሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG