ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፑቲን ንዳግመ-ምርጫ ከም ዝወዳደር ኣፍሊጡ


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ 2024 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዳግም ከም ዝወዳደር ሎሚ ዓርቢ ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ። ወዲ 71 ዓመት ፑቲን ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ ምስ ዝዕወት ክሳብ መፋርቕ 2030ታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ’ዩ። ኣብዚ ንሓሙሻይ እብረ ዝግበሮ ውድድር፡ ፑቲን ዓቢ ተወዳዳሪ ከም ዘይብሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ኣብ 2020 ብዝተገብረ ኣዘራራቢ ምትዕርራይ ቅዋም እታ ሃገር፡ ፑቲን ክሳብ 2036 ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽእሎ ዓንቀጽ ጸዲቑ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝካየድ ምርጫ፡ መብዛሕትኦም ዓበይቲ ተቓወምቲ ካብ ምርጫ ተኸልኪሎም ኣለዉ። ኣብቲ “ስማዊ” ዝተባህለ ምርጫ ንኽወዳደሩ ተፈቒዱሎም ዘሎ ሓሙሽተ ሰልፍታት ኵላቶም ንወራር ዩክሬን ዝድግፉ ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG