ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ትማሊ ሓሙስ 27 ሓምለ 2023 ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን ብሓባር "ፍትሓውን ብዓል ብዙሕ ዓንድታት ስርዓት ዓለም ክምስረት ይጣበቓ"ክብሉ ሓቢሮም።
ንሶም ነዚ ዝበሉ ጎኒ ንጎኒ ኣብቲ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝካይድ ዘሎ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ እንግዶት ድራር እዩ።
ሩስያ "እዋናዊ ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕን ኣብታ ኣህጉር ሓደስቲ ወጥሪታት ንኸይለዓሉ ሓቀኛ ኣበርክቶ ክትገብር እያ" ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።
ፕረዚደንት ፑቲን ብተወሳኺ ንመራሕትን ሰበስልጣንን መብዛሕትኣን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሃገሮም ካብ ዩክሬን ምልኣኽ እኽሊ ካብ ዘፈቅድ ስምምዕ ምስሓባ ወሰኽ ዋጋታት ከስዕብ እዩ ዝብል ስክፍታታት እኳ እንተሃለዋ ዓለማዊ ቅልውላው መግቢ ንምክልኻል ዝከኣላ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ትገብር ከምዘላ ሓቢሮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ንካልኣይ መዓልቲ ዝተጋብኣ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ፥ ሩስያ ንእትገብረሎም ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ደገፋት ድሕሪ ምምስጋን ምስ ዩክሬን ንዘለዋ ወጥሪ ከተህድኦን ካብ ዩክሬን ናብ ኣፍሪቃ ምስ ዝለኣኽ እኽሊ ዝተኣሳሰሩ ክልከላታት ከተልዕሎም ተማሕፂኖም።
ቭላድሚር ፑቲን ብወገኖም ሃገሮም ኣብ ዝቕፅሉ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት 50- ሽሕ ቶን ሓገዝ እኽሊ ናብ ቡርኪናፋሶ፣ ዚምባብዌ፣ ማሊ፣ ሶማል፣ ኤርትራን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ክትሰድድ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጦም።
እዚ ጉባኤ ሩስያ ምስታ 1.3 ቢልየን ህዝቢ ዘለዋን ኣብ መድረኻት ዓለም ኣገዳሲት እናኾነት ትመፅእ ዘላ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምሕዳስ ዝተገብረ ፃዕሪ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝዓበየ ድምፂ ዝሓዛ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዩክሬን ንፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ሩስያ ዝነቅፍ ውሳነታት ሓፈሻዊ ባይቶ ኣብ ዘርኣየኦ መርገፂ ዝያዳ ካልእ ተኸፋፊለን ተራእየን እየን።
ቅጥዒ