ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሃገሩ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ሶርያ ዝምድና ንምቕጻል እማመ ምቕራባ ገሊጹ። “ሩስያ ኣብዚ ኲናት ኣይተሳዕረትን፡” ዝበለ ፑቲን፡ ኣብ ሶርያ ብዛዕባ ዘሎ ክልተ ወታሃደራዊ መዓስከራት ሩስያ ኣመልኪቶም ምስቲ ሓድሽ መሪሕነት ክዘራረቡ ምዃኖም ሓቢሩ። ከም ኣገላልጻ ፑቲን፡ ሩስያ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ናብ ኲናት ሶርያ ዝኣተወት ምስፍሕፋሕ ግብረ-ሽበራውያን ንምዕጋት ከምዝኾነን፡ ነቲ ስራሕ ከም ዝፈጸመቶን ዝተዓወተትሉን ገሊጹ።
ሩስያ ንፕረዚደንት በሽር ኣልኣሳስ ዓቢ ሓገዝ ትግብረሉ ምንባራ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕሪ ምውዳቕ እቲ ስርዓት ናብ ሞስኮ ዑቕባ ዝሓተተ ኣሳድ፡ ምስ ፑቲን ዛጊት ብኣካል ዘይምርኻቦም’ውን ፑቲን ገሊጹ። እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ክዘራረቡ ምዃኖም ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
ፑቲን ምስ ድሕሪ ወርሒ ስልጣን ዝርከብ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ’ውን ንምርኻብን ምዝርራብን ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ትራምፕ ከም ዘይተዘራረቡ ዝገለጸ ፑቲን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ክዘራረቡ ግን ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
ቅጥዒ