No media source currently available
ንሩስያን ክረምያን ዘራኽብ ናይ ሓዲድን ጽርግያን ድልድል ሎሚ ረቡዕ ተኸፊቱ። ሩስያ ኣብ 2014 ዓ.ም ንክረምያ ካብ ዩክሬን ብምውሳድ ምስ ግዝኣታ ዝጠቕለለት ክትከውን ከላ እዚ ስጉምቲ ሩስያ ምስ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘቆልቆለን እገዳ ዘስዓበን ምኳኑ ይፍለጥ።