ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ፑቲን፡ ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ዝልኣኽ እኽሊ ዩክሬን ከምትትክእ ሓቢሮም


ፋይል
ፋይል

ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ንዝለኣኽ ናይ ዩክሬን ኣእካል ክትትክእ’ያ ክብሉ ፕረዚደንት ቭላዲሚር ፑቱን ሎሚ ሰኑይ 24 ሓምለ 2023 ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ፑቱን ነዚ ዝበሉ ሩስያ ካብቲ ካብ ዩክሬን እእካል ንሰደድ ንኽሓልፍ ዝተገብረ ውዕል ድሕሪ ምውፅኣ‘ዩ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክረምሊን ዝወፀ መግለፂ፡ ሩስያ ቀረባት ኣእካል፡ ፍርያት መግብን ድኹዕን ካልኦት ኣቑሑትን ናብ ኣፍሪቃ ንምልኣኽ ሓያል ፃዕሪ ተካይድ ኣላ ይብል።

ፕረ.ፑቲን “ሃገርና ንኣእካል ዩክሬን ካብ ክፍሊት ነፃ ብዝኾነ መጎዓዝያ ንምትካእ ዓቅሚ ከም ዘለዋ መረጋገፂ ክህብ እደሊ” ኢሎም።

ሞስኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጀመርታ ካብቲ ውዕል ዝወፀት ንዓኣ ዝምልከት ክፍሊ'ቲ ውዕል ኣይተኸብረን ብዝብል’ዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ሩስያ ካብቲ ውዕል ምውፅኣ ከም ዝጉሃዮ ገሊፁ’ዩ።

ሩስያ ኣብ መወዳእታ’ዚ ሰሙን ንካልኣይ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃን ክተትኣናግድ’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG