ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሩስያን ሰ/ኮርያን ንሃገራቶም ዘቐራርብ ስምምዕ ፈሪሞም


ኣብ ሰሜን ኮርያ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለው ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ሎሚ ረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆን ኡን ኣብ ፒዮንግ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም። ክልቲኦም ሃገራት ንሃገራት ምዕራብ ንምምካትን ዝያዳ ዝቐራርቦም ምትሕብባር ክሕልው ምስምማዕም’ውን ገሊጾም።

ፕረዚደንትታት ክልቲኣን ሃገራት ንምሕያል ዝምድናን ዝምልከት ሓደ ሰነድ ምፍራመን’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ዝርዝር ሓበሬታ’ቲ ስምምዕ እንተዘይተገለጸ’ውን ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ስምምዕ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ዝህብ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው።

ፕረዚደን ኪም ብወገኑ ሩስያ “ቅንዕቲ መሓዛን ብጸይትን” ክብሉ ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ሰላማዊን ንምክልኻል ዝዓለመ ‘ዩ ምባሎም መሓውራት ዜና ሩስያ ሓቢሮም።

ሃገራት ምዕራብ ንምትሕብባር ክልቲኣን ሃገራት ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሕስ’ዩ ክብል ዝነቐፉ ክኾኑ ከለው ኣመሪካ ድማ ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ኣብ ኵናት ዩክሬን ትጥቀመሉ ብኣሽሓት ዝቑጸር ኣጽዋር ትህብ’ያ ኢላ ክትከስስ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG