ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ፑቲን ንዕቑር ሰራዊት'ታ ሃገር ከምዘውፍር ኣፍሊጡ


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን፡ ክተት ከፊላዊ ዕቑር ሓይሊ ኣዊጁ። ፑትን ኣብ ቴሌቭዥን መደረ ዘስምዑ፡ ዩክሬናውያን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ`ታ ሃገር መሬቶም ኣብ ዘምልስሉ ዘለዉ`ዩ።

ፑትን “መሬትና ልኡላዊን ግዝኣታዊ ሓድነትናን፡ ከምኡ`ውን ኣብተን ናጻ ዝወጻ ግዝኣታት ዝርከብ ህዝቢ ንምሕላው፡ ንሓይልታት ምክልኻልና ንምድጋፍ ከፊላዊ ክተት ምእዋጅ ኣድላይ እዩ” ኢሉ ።

ሚንስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሾይጉ ኣስዒቡ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ክሳብ 300 ሺሕ ዝበጽሑ ዕቑራት ሓይሊ ጸዊዑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ፑትን ኣብ ዘርብኡ ዕላምኡ ንዞባ ዶንባስ ናጻ ምውጻእ ምዃኑ ምኽንያቱ ድማ እቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ኣካል ዩክሬን ክኸውን ኣይደልን`ዩ ኢሉ።

ኣብቲ ሩስያ ዝሓዘቶ ዞባታት ሉሃንስክን ዶነትስክን ዝርከቡ መራሕቲ ክንፍለ በሃልቲ ድማ፡ አካል ሩስያ ምዃኖም ንምእዋጅ ዝመጽእ ሰሙን ረፈረንደም ከምዘካይዱ ሓቢሮም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG