ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፑቲን ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ሓባራዊ ንግዲ ኣፍሪቃን ሩስያን ኣብዚ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ 2023፡ ብ35 % ከም ዝዓበየ ተዛሪቡ። ፑትን ኣብቲ ኣብ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን ምስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሞሳ ፋቂ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ሽሕ'`ኳ ለበዳ ቫይረስኮሮናን ዘይሕጋዊ እገዳ ኣንጻር ሩስያን እንተተነበረ፡ እቲ ምረሻ ሓባራዊ ንግዲ ከም ዘይጎደለ ኣፍሊጡ። ዓቐንን ሓባራዊ ንግድን ናብ ኣስታት 18 ቢልየን ዶላር ከም ዝደየበ`ውን ጠቒሱ።

ኣብ 2022 ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ዝገበረቶ ሰደድ 4.7 ቢልየን ዶላር ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ ፑትን፡ ሩስያ እምንቲ ኣቕራቢት ሰደድ ኮይና ክትቅጽል`ያ ኢሉ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ሓላፊት ባንኪ ብሪክስ 'ውን ትማሊ ረቡዕ 26 ሓምለ 2023 ተራኺቡ ኔሩ። ሓላፊት ባንኪ ንብራዚል ሩስያ ቻይና ደቡብ ኣፍሪቃን ዝውክል ብሪክስ ዝተባህለ ደንበ ዝኾነት ዲልማ ሮሱፍ ብወገና ነቲ ዋዕላ ኣፍሪቃን ሩስያን ብኣወንታ ከምትርእዮ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ንዓቕምታት ኣፍሪቃ ንጎኒ ገዲፉ ኣብ ዕዳታት ሃገራት ኣፍሪቃ የተኩር ኣሎ ኢላ።ሚስ ዲልማ ሮሱፍ ወሲኻ “ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምግባር: ቅድመ ኩነት ምቕማጥ ግቡእ ኣይኮነን፡ ብዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ዘካይዶ ዘሎ ግን ንሱ`ዩ “ ትብል ።

ኣብቲ ዋዕላ ፡ 17 መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎም 49 ልኡኻት ሃገራት ኣፍሪቃ ይሳተፉ`ለዉ። ቁጽሪ መራሕቲ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝነበረ 43 ናብ 17 ምውራዱ፡ ተጽዕኖ ምዕራባውያን`ዩ ክትብል ሩስያ ትኸስስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG