ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ቭላድሚር ፑትን ንምዕራባውያን ናይ ኑክሌር መጠንቀቕታ ኣሕሊፉ


ፕረዚደንት ፑቲን
ፕረዚደንት ፑቲን

ፕረዚደንት ፑቲን ሓንቲ ሃገር በተን ኑክሌር ዝዓጠቓ ሃገራት ተደጊፋ ብሚሳይል ኣብ ልዕሊ ሩስያ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ፡ ሩስያ ብኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምምላስ መሰል ኣለዋ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ውዕል ኑክሌር ምስ ኩነታት ብዝኸይድ ክንቅይሮ ኣለና ድሕሪ ምባሎም፡ ሕጂ ዘሎ ወተሃደራዊ ኩነታት ብቕጽበት ይቀያየር ስለዘሎ፡ ንምኽባር ልኡላውነት ሃገር ክንብል ነቲ ናይ መጨረሽታ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና ኢሉ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ክሃርም ዝኽእል ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይል ክፍቀደሉ ምስ ምዕራባውያን ኣብ ምዝርራብ ከም ዝርከብ ዝፍለጥ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG