ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝደንት ፑቲን ነፈርቲ ሩስያ ናብ ግብጺ በረራ ከየካይዳ ይኽልክሉ


ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑትን ኩለን ናይ ንግዲ በረራታት ሃገሮም ናብ ግብጺ ዝግበሩ በረራታት ደው ከብሉ ሎሚመዓልቲ ኣዚዞም።

ፕሬዝዳንት ፑቲን ነዚ ህጹጽ ስጉምቲ ዝወሰዱ ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ሃገሮም ኣሌግዛንደር ቦርቲንኮቭ ጠንቂ እታ ዝሓለፈ ሰሙን አብ ግብጺ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ክሳብ ዝፍለጥ በረራታት ደው ክብሉ ብዝሃብዎም ምኽሪ እዩ።

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ናይ እንግሊዝ ቀዳማይ ሚንስትር ዴቪድ ካምረንን ዳዕሽ ኣብታ ነፋሪት ቦምብ ጽዒኖም እዮም ንዝብል ዝሃብዎ ግምት ሩሲያ ንመዓልታት ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሲናይ በረኻ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ሩስያ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 224 ኩሎም ተሳፈርቲ ምሟቶም ይዝከር።እዚ አብ ልዕሊ እታ ነፋሪት ዝበጽሐ ሓደጋ ምኽንያቱ ቦምብ እንተኾይኑ ንምጽራይ መርመርቲ ምርመርኦም ቀጺሎም ኣለው።

ኣውሮፓዊያን በጻሕቲ ንዕረፍቲ ምርጭኦም ካብ ዝኾነት ናይ መዘናግዒት ከተማ ሻርም ኤል-ሸይኽ ንምውጻእ ነዊሕ ምድንጓይ ኣጋጢሙዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG