ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ፑትን ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ደጊፉዎ


ፕረዚደንት ፑቲን
ፕረዚደንት ፑቲን

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ንኲናት ዩክሬን ንምዕራፍ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቁራጽ ተኹሲ ደጊፍዎ። እንተኾነ ዝርዝራት ክስርሓሉ ከም ዘለዎን ዝኾነ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ናብ ነባሪ ሰላም ዘምርሕ ክኸውን ከም ዘለዎን ኣስሚርሉ`ሎ።

እቲ ቀሪቡ ዘሎ ስምምዕ ን30 መዓልታት ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝጽውዕ`ዩ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ርእይቶ ፑትን ኣዝዩ መደናገሪ`ዩ፡ ነቲ ውዕል ንምንጻጉ ባይታ ዘንጽፍ እዩ ክብል መሊሱ።

ዘለስንኪ“ፑትን ነቲ ኲናት ክቕጽሎ`የ ከይብል ንትራምፕ ስለዝፈርሕ`ዩ” ኢሉ። ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሩስያ ነቲ እማመ እንተዘይተቐቢላቶ ኣዝዩ ዘጉሂ ክኸውን`ዩ ኢሉ ኔሩ።

ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ኣብ መጀመርያ`ዚ ሰሙን እማመ ምቁራጽ ተኹሲ ንምቕራብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ሰበ-ስልጣን ዩክሬን ተራኺቦም ኔሮም።

ዩክሬን ነቲ ን30 መዓልታት ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝጽውዕ እማመ ተቐቢላቶ`ያ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG