ዋሽግንተን —
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ንኲናት ዩክሬን ንምዕራፍ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቁራጽ ተኹሲ ደጊፍዎ። እንተኾነ ዝርዝራት ክስርሓሉ ከም ዘለዎን ዝኾነ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ናብ ነባሪ ሰላም ዘምርሕ ክኸውን ከም ዘለዎን ኣስሚርሉ`ሎ።
እቲ ቀሪቡ ዘሎ ስምምዕ ን30 መዓልታት ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝጽውዕ`ዩ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ርእይቶ ፑትን ኣዝዩ መደናገሪ`ዩ፡ ነቲ ውዕል ንምንጻጉ ባይታ ዘንጽፍ እዩ ክብል መሊሱ።
ዘለስንኪ“ፑትን ነቲ ኲናት ክቕጽሎ`የ ከይብል ንትራምፕ ስለዝፈርሕ`ዩ” ኢሉ። ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሩስያ ነቲ እማመ እንተዘይተቐቢላቶ ኣዝዩ ዘጉሂ ክኸውን`ዩ ኢሉ ኔሩ።
ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ኣብ መጀመርያ`ዚ ሰሙን እማመ ምቁራጽ ተኹሲ ንምቕራብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ሰበ-ስልጣን ዩክሬን ተራኺቦም ኔሮም።
ዩክሬን ነቲ ን30 መዓልታት ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝጽውዕ እማመ ተቐቢላቶ`ያ።
ቅጥዒ