ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወለድቲ ትግራይ ከም ብሓዱሽ በብዝሒ ይእሰሩን ኣለው


ኣብ ክልል ትግራይ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ብዝዘለቐ ግጭት ዘርኢ ዒላማ ዝገበረ ሓዱሽ መጥቓዕቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ብሰበስልጣን ይእሰሩን ናይ ንግዲ ትካላቶም ይዕፀውን ኣለው ክብሉ መሰኻኽር ገሊፆም።

ወታደራት ኢትዮጵያ ካብ ከተማ መቐለ ምስ ኣንሰሓቡን መንግስቲ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱን ዳግም ዝተልዓሉ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዋና ከተማ መቐለ ምእታዎም ስዒቡ ዝተኸሰተ ዘደንቕ ለውጢ ስዕቡ እዩ እቲ ማእሰርቲ ከም ብሓዱሽ ቐፂሉ ዘሎ።

ኣብ ትግራይ ሰባት ንምሕጋዝ ንምግብን ካሊእን ገንዘብ ዘተኣኻኸበትን ኣብ ልዕሊ ስቪላት ንዝተፈፀመ ግፍዒ ድምፃ ክተስምዕ ዝፀንሐትን 32 ዓመት ዝዕድሚኣ ጠብቓ ሕጊ ሜሮን ኣዲስ ንኣሰሺየት ፕረስ (AP) ኣብ ዝሃበቶ ቃለ ምልልስ ክልተ ናይ ስቪል ዝተኸደኑ መኮነናት ፖሊስ 21 ሰነ 2013 ዓ/ም ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ መፂኦም ኣፅዋር ብምቕማጥ ከምዝኸሰሱዋ ትዛረብ።ስዒቡ ዩኒፎርም ዝተኸደኑ ዓሰርተታት ፖሊሳት ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ንገዝኣ ከምዝፈተሽዎ ትገልፅ።

ዝኾነ ይኹን ኣፅዋር ከይረኸቡ ምስ ተረፉ ናብ ፖሊስ ጣቢያ ወሲዶም ንሓይልታት ትግራይ ደጊፍክን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፅልኢ ዘርጊሕኽን ብዝብል ተኸሲሳ።

ፖሊስ ን’ጁንታ ትሕግዝ ከምዝፀንሐት ነጊሩዋ።’’ናይ ህፃናትን ግዳያት ኲናትን ጥምየትን ፆታዊ ግሰትን ዝገልፅ ኣብ ፌስቡክ ብምልጣፍ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝቢ ትግራይን ቅርሕንቲ ትፈጥሪ ኣለኺ’’ ኢሎምኒ ትብል።ንሳ ምስ ተፈትሐት ካልኦት ክልተ ኣዝማዳ ተኣሲሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈትሐ ካሊእ እሱር ዓሰርተታት ተጋሩ ኣብ ወሰን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ከምዝተትሓዙ ንAP ገሊፁ።

‘’ፈለማ ምስ ተዋጋእቲ ትግራይ ርክብ ከምዘለና ከም እንጥርጠር ነጊሮምና።ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ አተና ግን ንኣሸበርቲ ንምሕጋዝ ገንዘብ ከምእንልእኽ ክኽሱና ጀሚሮም።ብሓይልታት ትግራይ ዝተማረኹ ኢትዮጵያዊያን ክሳብ ዝፍትሑ ከመይፍትሑና እውን ይገልፁልና ነይሮም’’ ኢሉ ንሱ። ‘’ዋላ ሓዴና እውን ናብ ቤት ቤት ፍርዲ ኣይቀረብናን’’ኢሉ ብምውሳኽ።ከምቶም ካልኦት ንድሕነቱ ብምስጋእ መንነቱ ኣየገለፀን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:45 0:00



ፌደራል መንግስቲ ንናይ ትግራይ ገዛኢ ፓርቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢሉ ስለ ዝመደቦ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ተራ ስቪላይ ወይድማ ተወለድቲ ትግራይ ተፈፂሙ ዝብሃል ግፍዕታት ኲናት ክዛረቡን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍእ ዓፀቦ ኣንፀላሊዩዎም ዘለው ኣማእቲ ኣሽሓት ናብ ዝነብርሉ ክልሎም ረድኤት ክልእኹእንተደለዩን እውን ኣብ ከቢድ ፀቕጢ ይርከቡ።

ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስ ኣንሰሓቡ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ተራ ሰባት ወይ ተጋሩ ንተዋጋእቲ ትግራይ ደጊፎም ክብሉ ኸሲሶም እዮም።

እቲ ሓዱሽ ማዕበል ማእሰርቲ ብሰበስልጣን ፀጥታ ወግዓዊ ኣፍልጦ ኣይተውሃቦን።ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፌደራል ጀይላን ኣብዲ ንሕቶታት AP ኣይመለሱን ግን ፌደራል ፖሊስ Addis Standard ንዝተብሃለ ሚዲያ ዘርኢ መሰረት ገይርና ኣይንኣስርን ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ንማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይን ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ኩነታት ተኣሳሲሩ ንዝተፈፀመ ማእሰርቲ ሰራሕተኛታት ሚዲያን ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።’’ከምዚ ዝበሉ ስጉምትታት ሓደጋ መንነት መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕቲ ክፍፀመና እዩ ዝብል ህዝባዊ ስኽፍታ ዘጋድድ እዩ’’ኢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።

ንAP ቃሉ ዝሃበ ኣክቲቪስት እቶም ማእሰርትታት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝፍፀም ዘሎ ይመስል ይብል።

ሰብ ሙያ ሕጊ ተወለድቲ ትግራይ ንኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝለኣኹዎን ኣብ ኢድ AP ዝኣተወን ደብዳበ ናይ ኣሽሓት ሰባት ዕፃ ኣይፍለጥን ይብል።’’ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብያተ ምግቢ፣ባራት፣ካፌታትን ካልኦት ቦታታትን ሓዊሱ ብተጋሩ ዝውነኑ ኣማእቲ ትካላት ንግዲብምስምስ ስኽፍታታት ፀጥታ ተዓሺጎም ኣለው’’ይብል እቲ ደብዳበ።’’ብዘይ እኹል መርትዖ ንመሰላት ዜጋታት ዝጥሕስ ሓደገኛ ተግባር ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይካየድ ዘሎ ወፍሪ ደው ክብል ኣለዎ’’ ኢሉ እቲ ደብዳበ።

ብዓል ሙያ ሕጊ ተስፈኣለም በርሀ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ‘’ተሰዊሮም ኣለው’’ኢሉ ኣሎ። ‘’ስድርኦምን ናይ ሕጊ ጠበቓታቶምን ክበፅሑዎም ኣይተፈቐደሎምን፤ተፈፂሙ ዝብሃል ናይ ገበን ክሲ እውን የለን፤ብንፁር ዘርኢ መሰረት ዝገበረ እዩ’’ ክብል ወሲኹ ይገልፅ ተስፍኣለም።

ፀጋዝኣብ ኪዳኑ ዝተብሃለ ኣንፃር ኣብ ትግራይ ዝፍፀም መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ወፍሪ ናይ ዘካይድወለንተኛ ጉጅለ ስቪል ማሕበረሰብኣተሓባባሪ ፒጃማ ተኸዲኑ ቴሌቪዥን ይርኢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን 22 ሰነ 2013 ዓ/ም ከምዝተኣሰረ ስድርኡ ይገልፁ።ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣይቀረበን ብወግዒ እውን ኣይተኸሰሰን።

ሰበስልጣን ናይ ሕጊ ጠበቕኡ ንዝኾነ ንተስፍኣለም በርሀ ተፈቲሑ ኢሎም እንተተዛረቡዎ እውን ዛጊድ ሃለዋቱ ኣይፍለጥን።

XS
SM
MD
LG