ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አልሸባብ ኣብ ዞባ ፑንትላንድ ብዘካየዶ መጥቓዕቲ 50 ሰባት ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ዞባ ፑንትላንድ ኣል-ሸባብ ኣብ ሓደ ወታደራዊ መደብር ብዝፈፀሞ መጥቓዕቲ ሰለስተ ላዕለዎት ወታደራዊ መኮነናት ሓዊሱ እንተወሓደ 50 ሰባት ከምዝተቐተሉ ወታደራዊ ሰበስልጣንን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ገሊፆም።

እቶም ዝተቐትሉ 45 ወታደራት ፑንትላንድን ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብን ከምዝርከቡዎም እዞም ምንጭታት ሓቢሮም።

ሚኒስትር ደሕንነት ፑንትላንድ ዓብዲ ሕርሲ ዓሊ ግን ከቢድ ወታደራዊ ስዕረት ኣጋጢሙ ንዝብል ኣይተቐበሉዎን።ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ መብዛሕቲኦም ዝሞቱ ስቪላት እዮም ኢሎም።

ብከቢድ ውግእ ዝተጀመረ መጥቓዕቲ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ከምዝፀንሐ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብ ዓዲ ኣፍ-ኡሩ ገሊፆም።

ኣል-ሸባብ ነቲ ወታደራዊ መደብር ብምውራር ልዕሊ 61 ወታደራት ፑንትላንድ ቀቲለ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።ንድምጺ ኣሜሪካ ቃሎም ዝሃቡ ወታደራዊ ምንጭታት ግን ፀረ መጥቓዕቲ ንምክያድ ብስልታዊ ምኽንያት ካብቲ መደብር ስሒብና ኔርና ይብሉ።

ገለ ክፋል ናይቲ ወታደራዊ መደብር ዓኒዩ፣ዓሰርተታት ወታደራዊ መካይን ተቓፂለን፣ልዕሊ 20 ወታደራት ቆሲሎም ናብ ጥቓ ኣርሞ ተወሲዶም ክብሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG