ዋሽንግተን —
ዝተሓደሰ--ኣብታ ግዝኣት ኣመሪካ ዝዀነት ፖርተሪኮ፡ ብሰሉስ ዝጀመረ ምጥፋእ ሓይሊ መብራህቲ ዳርጋ ንምልእቲ እታ ክፍለ-ሃገር ጸልዩ፡ ንኣስታት 1.3 ሚልዮን ነበርቲ ድማ ኣብ ጸልማት ሓዲጉ ኣሎ። ነታ ደሴት ሓይሊ መብራህቲ ዘከፋፍል መስመር ድሕሪ ምብልሻዉ’ዩ ኣብታ 1.47 ሚልዮን ህዝቢ ዝነበራ ግዝኣት ንሓያሎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ከም ሕክምናን ማይን ዝጸለወ ምምዝባል ፈጢሩ ኣምስዩን ክሳብ ረቡዕ ቅድሚ ቀትሪ ቀጺሉን።
ድሒሩ ኣብ ዝሰዓበ ዜና፡ ኣስታት ፍርቂ መዓልቲ ረቡዕ ዳርጋ ዝበዝሕ ክፋል እታ ግዝኣት ሓይሊ መብራህቲ ተመሊሱዋ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንምጥፋእ ሓይሊ መብራህቲ ኣመልኪቱ ምስ ኣማሓዳሪ እታ ግዝኣት ፔድሮ ፔርሉሲ ተዘራሪቡ፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ድማ ሓገዝ ክግበረሎም ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ፡ ዘላቒ መፍትሒ ንምርካብን ኣብ እዋን ሓደጋ ቅያር ንምርካብን ዘኽእል ብፈደራላዊ መንግስቲ ኣመሪካ ሓገዝ ተበርኪቱ ኣሎ።
ቅጥዒ