ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማይጨው ዝተሃነፀ ቤተ መጻሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን ተመሪቑ


Abraham
Abraham

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጣየሸ "ማሕበር ረድኤትን ልምዓትን ራያ" ኣብ ከተማ ማይጨው ብልዕሊ 8 ሚልየን ቅርሺ ዝሃነፆ ቤተ መፃሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን ተመሪቑ።

እቲ ማእኸል ኣብ ካልኦት ኣብያተ መጻሕፍቲ ብዙሕ ዘይተለመደ ብርሃን ዓይኖም ንዝሰኣኑ ወገናት እውን ኣገልግሎት ብዝህብ መልክዑ ከምዝተሃነፀ ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር መምህር ኣብርሃ ኣባይ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣብ ማይጨው ዝተሃነፀ ቤተ መጻሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን
ኣብ ማይጨው ዝተሃነፀ ቤተ መጻሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን

እቲ ኣብ ኣሜሪካ፣ካናዳን ኣውስትራልያ ዝርከቡ ተወለድቲ ራያ ዘጣየሽዎ ማሕበር ካብ ኣባላቱን ደገፍቱን ብዝተዋህለለ ገንዘብን ናውትን ዝተሃነፀ ማእኸል ብርክት ዝበሉ መምሀሪ መጻሕፍትን ኮምፒውተራትን ከምዝተማልእሉ መግለፂ መምህር ኣብርሃ ይሕብር።

መምህር ኣብርሃ ኣባይ ምረቓ እቲ ማእኸል ሎሚ ቕነ ምስ በዓል ጥምቀት ተደሪቡ ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ከምዝተኻየደን ኣብቲ እዋን ዝተፈጠረ ውዑይ ምንቅስቓስ ንዝያዳ ስራሕ ከምዘበራብርን ልዑል እምነት ኣለኒ ኢሎም ።

ኣብ ማይጨው ዝተሃነፀ ቤተ መጻሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን
ኣብ ማይጨው ዝተሃነፀ ቤተ መጻሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን

እቶም ኣቦ መንበር ነቲ ቤተ መጻሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን ኣብ ምህናፅ ኣባላት እቲ ማሕበር ንዘርአይዎ ዘይሕለል ፃዕሪ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦም ።

"ማሕበር ረድኤትን ልምዓትን ራያ" ብናይ ኣውሮፓዊያን ኣቆፃፅራ ኣብ 2004 ኣብ ኣሜሪካ ዝተጣየሸን ንመኸሰብ ዘይሰርሕን ምግባረ ሰናይ ማሕበር ምዃኑ እቶም ኣቦ መንበር ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ማይጨው ዝተሃነፀ ቤተ መጻሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን ተመሪቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:03 0:00


XS
SM
MD
LG