ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማስተርፕላን ኣዲስ አበባ ብምቕዋም ዝካየድ ተቃውሞ ይቕጽል አሎ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓይልታት መንግስቲ መግቢ ንምብላዕ ተሰሊፎም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተማሃሮ ዩኒቨርቲ ኣምቦ ብበትሪ ከምዝቐጥቀጥዎም ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ምስ መሰየ ዕጡቓት ናብ መንበሪ ተማሃሮ ብምእታው ከምዝቐጥቀጡዎምን ብዙሓት ተማሃሮ ኣብ ሆስፒታል ኣምቦ ይሕከሙ ከምዘለውን እቶም ነባሪ ወሲኾም ገሊፆም።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ፕሬዝዳንት ዶ/ር ምትኩ ቴሶ ግን ዝፈልጦ ነገር፣ዝህቦ ሓበሬታ የለን ኢሎም ኣለው።

ብኻልእ ወገን ተማሃሮ ወለጋ ዩኒቨርሲቲ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ንቃወም፡ ዝተኣሰሩ ውልቀ-ሰባት ይፈትሑ ክብሉ ናብ ኣማሓዳሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሕቶ ምቕራቦም እንተኾነ ግን 'ንዓኹም ዝምልከት ኣይኮነን ስቕ ኢልኩም ተማሃሩ' ዝብል ምላሽ ከምተዋህቦምን ድሒሩ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ንተማሃሮ ምቕጥቓጡን ገለ ተማሃሮ'ውም ምእሳሮምን ሓደ ሓደ ተማሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኦሮምኛ ሓቢሮም።

ግብረ-መልሲ ኣማሓዳሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንምርኻብ ዝተገብረ ፈተና ግን ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG