ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦሮምያ፡ተቃውሞ ሰልፍታት ይቅጽል ኣሎ ይብሉ ነበርቲ'ቲ ክልልን መራሕቲ ተቃዋሚ ፓርትታትን


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ተቃውሞ ሰልፍታት ይቅጽል ኣሎ ክብሉ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታትን'ቲ ክልልን መራሕቲ ተቃዋሚ ፓርትታትን ገሊጾም።

ሎሚ ኣብ ኽልል ዞባ ቀለም ወለጋ ምስ ፖሊስ አብ ዝተኻየደ ጎንጺ ሓንቲ ኣደን ወደንን ብጥይት ከምዝተቀትሉ ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ነጆ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ተቀቲሎም ክብሉ ነበርቲ እንተገለጹ'ኳ ኣመሓዳሪ'ታ ከተማ ኣቶ ብርሃኑ ጫሉ ግን ብዘይካ ሓደ ሰብ ካልእ ዝተቀትለ የለን ግን ሰላም ንምሕላው ኣብያተ ትምህርቲን ሓደ ሓደ ኣባይቲ ዕዮን ክዕጸዉ ተገይሩ'ሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG