ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ሎሚ`ውን ቀጺሉ ውዒሉ፡ ኣስታት 50 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተቓወምቲ ይገልጹ


ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ሎሚ`ውን ቀጺሉ ውዒሉ፡ ኣስታት 50 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተቓወምቲ ይገልጹ።

ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ሃረርጌ፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋን ምዕራብ ሸዋን ወተሃደራት ብዝለዓለ ደረጃ ሓለውኦም ኣሓይሎም ኣለዉ። ኣብ ገለ ቦታታት ድማ መንገድታት ተዓጺዩ ኔሩ።

ጸሓፊ ፈደራሊስት ኦሮሞ ኮንግረስስ በቀለ ነጋ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ “ቁጽሪ ዝሞተ ሰብ ናብ 50 ኣብ ዝጽግዓሉ ዘሎ እዋን ንዕዑ ኸይተዛረቡ ምሕላፎም ኣሕዚኑና፡ እቲ ዝተለምደ ንሰባት ምእሳርን ምቕታልን መፍትሒ`ዩ ኢሎም ምሕሳቦም ብጣዕሚ ዘሕዝን`ዩ” ኢሎም።

ወተሃደራት መንግስቲ ናብ ገዛውቲ እናኣተዉ፡ ናይ ሳታላይት ዲሻት ይሰባብሩ`ለዉ ክብሉ`ውን ከሲሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

አብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይቕጽል ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:40 0:00

XS
SM
MD
LG