ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ክልል ኦሮምያ ተቓውሞ ይቕጽል ኣሎ


ዋና ጸሓፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ በቀለ ነጋ
ዋና ጸሓፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ በቀለ ነጋ

ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ እውን ተቓውሞ ከምዝቕጸለን ቁጽሪ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎን ተቓዋሚ ፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ በቀለ ነጋ ከምቲ ዝሓለፈ መቕተልትን ግጭትን እንተዘይሃለወ’ዃ ሎሚ’ውን ሓሓሊፉ ኣብ ገለ ቦታታት ሰላማዊ ተቓውሞ ቀጺሉ’ሎ ኢሎም።

ሎሚመዓልቲ ሰሉስ ተቓውሞ ዝቐጸለሎም ከባቢታት ቆሮ ጉድሮ፣ ኣሊቦ፣ ጢረሙ፣ኣሞሮ፣ ምዃኖም ብምዝርዛር መንግስቲ ድማ ብዝተለምደ ኣገባብ ዓፊኑዎ’ሎ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ኣባላቶም ማእሰርቲ ቀጺሉ’ሎ ዝበለ መግለጺ ኣቶ በቀለ ኣብ 2007 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ዝተሳተፉ ተወዳደርቲ፣ሕጹያት መድረኽን ተዓዘብትን ብዝሒ ይእሰሩ ምህላዎም ብምሕባር ናይ ዞባ፣ናይ ወረዳን ጣቢያን ወኪላት ውድቦም ዒላማ ማእሰርቲ ይኾኑ ኣለው ኢሎም።

ኣቶ በቀለ ብምቅጻል ‘ኣቶ ገመቹ ሻንቆን ኣቶ መልካሙን ኣብ ዞባ ወለጋ ቀሌም፣ኣብ ኤሊባቡር ኣቶ ተስፋየ ተካ ሓዊሱ ኣርባዕተ ሰባት፣ኣብ ጅማ ወኪል ውድብና ኣቶ ዑመር ከምኡ’ውን ኣቶ ቡልቻ ካብ ቀርሳ ኣቶ ሰይፉ ተማም ኩሎም ሎሚ መዓልቲ ዝተኣሰሩ እዮም።

መንግስቲ ብዛዕባ ዝተቐትሉ 86 ሰባት ከይኮነስ ብዛዕባ ዝተቓጸለ ኣንቡላንስን ዝፈረሰ ገዛን ይዛረብ ከምዘሎ ብምሕባር ሰባት ክቕተሉዶ ነይሩዎም ቀተልቲኸ ናብ ሕጊ ክቐርቡዶ ኣለዎ ኣብ ዝብል ዛጊት ክዛረብ ኣይሰማዕኹን’ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ሰማያዊ ፓርቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዝነበረ ኣቶ ዮናታን ተስፋየ ሎሚ መዓልቲ ከምዝተኣሰረ ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት ኣማሲዮም ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

አብ ክልል ኦሮምያ ተቓውሞ ይቕጽል ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:28 0:00

XS
SM
MD
LG