ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሃረር፡ ከባቢ ዩኒቨርሲቲ ሃሮማያ፡ ወተሃደራት ናብ ሓረስቶት ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ዝተጎድኡ ከምዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም


ዶ/ር መረራ ጉዲና ድማ፡ ኣብ ክሊ ኦሮሚያ፡ መቕተልትን ማእሰርትን ቀጺሉ`ሎ ይብሉ።

ተማሃሮ ካብ ወተሃደራት ናብ`ቲ ሕብረተሰብ ከምዝሃደሙን፡ ወተሃደራት ድማ ኣምጽእዎም እናበሉ ይትኩሱሎም ከምዘለዉን ሓደ ተመሃራይ ንቪኦኤ ገሊጹ`ሎ። “ መከላኸሊ ሰራዊት ተኹሲ ከፊቱ።ብዙሓት ብጥይት ተሃሪሞም። ሕጂ`ውን ተኹሲ ይስማዕ ኣሎ። ባድመ`ዩ ዝመስል። ሓረስቶት`ውን መህረሚ ሒዞም በብዘለውዎ ንምምካት ይፍትኑ`ለዉ።”

ኣብ ምብራቕ ወለጋ ድማ፡ ተማሃሮ፡ ዝተኣሰሩ ከይተፈትሑ ኣይንምሃርን ኢና ኢሎም፡ ነበርቲ`ውን ምስ ተማሃሮ ተጸንቢሮም ሰልፊ ወጺኦም ውዒሎም ይብሉ ምንጭታት ካብ`ቲ ከባቢ። “ ሰራዊት ኣግኣዚ ካብ ከተማ ጊዳ መጺኡ ንተመሃሮ ለቒሙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሲድዎም….ኣንስቲ ከይተረፋ ተኣሲረን ይቕጥቀጣ ኣለዋ።”

ንሰበ-ስልጣን`ቲ ኸባቢ ንምዝርራብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰመረን።

ብኻልእ ወገን፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንዝዓደሞም ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ወጻኢ ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብዛዕባ ኩነታት ተቓውሞ ኦሮሞን፡ ኩነታት ደርቅን ኣትሪሩ ክሓቶም ሁማን ራይትስ ዋች ጸዊዑ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG