ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዝተቐትለ አባል ቦርድ ምርጫ ኬንያ ፍትሒ ንምሕታት ኣብ ጎደናታት ኬንያ ተቓውሞ ምክያዱ ተሓቢሩ


ኬንያዊያን ጉጅለታት ስቪል ማሕበረሰባት አባል ቦርድ ምርጫ ዝተቐትልሉ ፍትሒ ንምሕታት ናብ ጎደናታት ናይሮቢ ብምውጻእ ተቓውሞ አካይዶም ።

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ሎሚ ሰሉስ ኣብ ማእኸል ከተማ ናይሮቢ ናብዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ምርጫ ብምኻድ ፍትሒ ንክሪስ ሳንዶ ሓቲቶም።

እቶም በዓል ስልጣን ምርጫ ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ሃለዋቶም ድሕሪ ምጥፍኡ ትማሊ ሶኑይ ሬስኦም ምርኻቡ ይፍለጥ።ብመሰረት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ዋፉላ ቸቡካቲ ሳንዶ ቅድሚ ምሟቶም ኣብ ልዕሊኦም መስቀይቲ ተፈፂሙዎም እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።እቲ ኮሚሽን ስርሑ ክሰርሕ እዩ ክብሉ እውን ንተሰለፍቲ ገሊፆምሎም።

ኣንፃር ብልሽውና ዝቃለሱ ጆን ጊታንጎ ሳንዶ ተሳቒዮም ዝሞትሉ እዋን ክርአ ከሎ ንመስርሕ ምርጫ ንምትዕንቓፍ እዩ ዝብሉ ወገናት’ውን አለው።

ምርጫ ክካየድ ዝተረፎ እዋን ሓደ ሰሙን ጥራሕ እዩ።ሳንዶ ንቴክኖሎጂ መውሃቢ ድምፂ ብሓላፍነት ዝመርሑ እዮም ነይሮም።

ፖሊስ ኬንያ እቲ መቕተልቲ ገበን ክብል ብምፅዋዕ ንቀተልቲ ናብ ሕጊ ዘቕርብ ሓደ ጉጅለ ከምዝተጣየሸ ገሊፁ።ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ምርመራ ንምሕጋዝ ቅርቡነተን ገሊፀን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG