ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወልቃይት፤ራያን ወጀራትን በደል ይበፅሕ ኣሎ ኢሎም ድምፆም ዘስምዑ 30 ዝኾኑ ሰለፈኛታት ኣብ ጥቓ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ሰልፊ ኣካይዶም


ት ምኽሪ ፌደረሽን ንፅባሕ 30 ነሓሰ ኣብ ዝፀውዖ ኣኼባ ኣብ ራያ፣ወልቃይትን ወጀራትን ይወርድ ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ክዘራረብን ናይ መፍትሒ ኣንፈት ከቐምጥን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ሰልፊ ኣካይዶም።

ፈደራል መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ደው የብሎ፣ብሰንኪ እቲ ምርጫ ዝተኣሰሩ ይፈትሑ፣ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ናብ 30 ዝፅግዑ ናይ ወልቃይት ፀገዴ ኣምሓራ መንነት መምለሲ ኮምቴ፣ናይ ራያ ራዩማ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ናይ ወጀራት ፓርትን ተወከልቲ ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ምኽሪ ተረኺቦም ድምፆም ኣስሚዖም ብመሰረት ፀብፃብ መስፍን ኣራጌ ካብ ደሴ።

‘’ኣብ ክልል ትግራይ ዘይሕጋዊ ምርጫ ይካየድ ኣሎ’’ ዝበለ ምኽትል ኣቦ ወንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ራያ ራዩማ ኣቶ ኣማረ ጉበን ‘’ኣብዚ ግዜ ሕማም ኮሮና ህዝብና እናተገደደ ሰልፊ ይወፅእ፣ ይእከብ፣ ናይ ምርጫ ካርዲ እንተድኣ ዘይወሲድካ ክሳብ 500 ብር ይቕፃዕን ብዙሕ ኣገልግሎታት ክሳብ ምኽልካልን ተበፂሑ ኣሎ’’ ኢሉ። ‘’ፈዴራል መንግስቲ ጣልቃብምእታው ኣብ ራያ ምርጫ ከይካይድ ክገብር ኣለዎ’’ ኣውን ኢሉ።

ኣብቲ ጉዳዩ ምላሽ ዝተሓተታ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ "ህዝቢ ወልቃይትን ራያን ብቓልሶም ዘረጋገፅዎ ኣካል መሰል ዓርሰ ውሳነኦም ዝኾነ መረፃ ትግራይ ንምህዋኽ ብጣዕሚ ውሑዳት በገንዘብ ዝተዓደጉ ዘካየድዎ ሰልፊ እዩ ብምባል ነቒንኦ::


ወይዘሮ ሊያ "ኣብቲ ክልል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣሎ ዝተብሃለ ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ንህዝቢ ንዕቐት ዘለዎምን ሰላም ንምህዋኽ እዩ ከምዚ ዝብሉ’’ ኢለን ዘለው።

XS
SM
MD
LG