ዋሽንግተን —
ኣብ ቅድሚ ቤት መንግስቲ ኬንያ፡ ነቲ ብፓርላማ እታ ሃገር ዝዝተየሉ ዝነበረ ወሰኽ ግብሪ ንቅዋም ብዝተገብረ ድፍኢት ዛጊት 8 ሰባት ምሟቶም፡ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝዀኑ ተሰለፍቲ፡ ድምጾም ሰማዒ ድሕሪ ምስኣኑ ንፓርላማ እታ ሃገር ደፊኦም ከም ዝኣተዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ። ኣብ መንጎ ፖሊስን እቶም ተሰለፍቲን ንንምክልኻልን ንምድፋእን ብዝተፈጥረ ግጭት ድማ ፖሊስ ነቲ ተቓውሞ ንምብታን ዝተፈላለየ ብልሓታት ፈቲኖም ኣይከኣሉን።
ተሰለፍቲ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታን ምፍርራሕን ፖሊስ ሰጊሮም ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ንምእታው ኣብ ዝፈተንሉ ድማ ፖሊስ ጥይት ተኲሱ ካብ ተሰለፍቲ ክቐትል ምጅማሩ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ካብ ናይሮቢ ገሊጾም።
ካብ ኬንያ ከይወጻእና፡ ናብቲ ብስእነት ጸጥታ እትሕመስ ዘላ ሀይቲ ሓይሊ ፖሊስ ንምልኣኽ ክግበር ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ፈተነ ዕንቅፍታት ክጎንፎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ሰሉስ ቀዳሞት ዙርያ ሓይሊ ፖሊስ ናብ ሀይቲ ነቒሎም ኣለዉ። ኬንያ ሓደ ሽሕ ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ ክትልእኽ ምስምማዓ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ፈላሚ ዙርያ ነቶም 400 ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣፋንዩዎም ኣሎ።
ቅጥዒ