ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

  ሰልፊ ስደተኛታት ኣብ እስራኤል


ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ቀዳም 24 የካቲት,2018 ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ብምትእኽካብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም።

ብተመሳሳሊ ካልኦት ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ እስራኤላዊያን መንግስቲ እስራኤል ንኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥራስ ዘሕለፎ ውሳነ ብምድጋፍ ሰልፊ አካይዶም እዮም።

እስራኤል ካብ መጀመርታ ወርሒ የካቲት ጀሚሩ ንኣስታት 20,000 ዝኾኑ ሰብ ሓዳር ዘይኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክወጹ ወይ ድማ ማእሰርቲ ከምዝገጥሞም ዝሕብር መጸዋዕታ ወረቐት ክትህብ ምጅማራ ይፍለጥ።

ሰልፊ ስደተኛታት ኣብ እስራኤል
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:49 0:00

መንግስቲ እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተው ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም እንተበለ ብኣንጻሩ ካብ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ተሪር ነቐፌታ ይገጥሞ ኣሎ።

ሸፊ ፓ ዝተባህለ እስራኤላዊ ንውሳነ መንግስቲ ብምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝሳተፍ ዝነበረ “ ሽምና ብምውሳድ ንስጉምቲ መንግስቲ ከምንቓወም ይገልጹ ኣለው። እዚ ሓቂ ከምዘይኮነ ክወጹ ከምንደልይ ክንገልጽ ኢና መጺና። ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ምስኦም ክነብር ጸኒሕና ኢና ሕጂ ግን ክወጹ ንደልይ አለና” ይብል።

ካልእ ምስቶም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንስጉምቲ መንግስቲ እስራኤል ዝተቓወሙ ራባይ ናቫ ከፍረዝ “ንስጉምቲ መንግስቲ ንምቕዋም ኢና ኣብዚ ዘለና ብፍላይ ንሕና ኣይሁድ ነዚ ኣይንቕበሎን ኢና። ንኣሽሓት ዓመታት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኢና ኔርና ሕጂ ሉዓላዊት ሃገር ብምኳና ከም ካልእ ሃገር ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ መፍትሒ ከነናድየሉ እዪ ዝግባእ” ኢሎም።

ፖሊስ ብወገኖም ኣብቲ ናይ ስደተኛታት ሰልፊ ጎነጻዊ ግብረ መልሲ ክህልው ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ጻውዒት ንዘቕረቡ ክልተ ወልቀሰባት ኣቐዲሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG