ዋሽንግተን —
ሱዳናውያን ኣንጻር ወታሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ዓብደልፋታሕ ኣል ቡርሃንን ኣብ 25 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ከይዲ ዲሞክራሲያዊ ስግግር ዝተኻየደ ዕልዋን ዝተሓደሰ ሰልፊ ተቃውሞ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ኣካይዶም።
ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ካብ ካርቱም ከምዝሓበሮ እዚ ናይ ሰንበት ሰልፊ ተቃውሞ ኣካል እቲ ንነዊሕ ክካየደ ዝጸንሐን ወታሃደራዊ መራሕቲ ካብ ስልጣን ክወርዱን ሲቪላዊ መንግስት ክምስረት ክፈቅዱን ዝሓትት
ሰልፍታት እዩ ይብል።
ብምኽንያት በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ንሰሙን ጠጠው ኢሉ ዝጽንሐ ሰልፊ ሕጂ ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ከምዝጀመረን እቲ ሰልፊ ከምዝካየድ ምስ ተነግረ ሓይልታት ጸጥታ ምውፋሮምን ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቅሙን ተሓቢሩ'ሎ።