ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢራን ብዝተላዕለ ተቓውሞ 10 ሰባት ሞሟቶም ቴሌቭዥን’ታ ሃገር ገሊጹ


ኣብ ኢራን ኣብ ምልእቲ’ታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ሎሚ ንሓሙሻይ መዓልቲ ምቕጻሉን ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 10 ሰባት ምሟቶም ቴሌቭዥን እታ ሃገር ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጡ።

እቲ ጸብጻብ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን። ፕረዚደንት ሃሰን ሩሃኒ ሓይልታት ጸጥታ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ቃል ኣትዮም ኣለው።

ቅድም ክብል ኣገልግሎት ዜና ኢራን ንሓደ አባል ፓርላማ ኢራን ብምጥቃስ ክልተ ሰባት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ኣይዞህ ብጥይት ከምዝሞታ ሓቢሩ ኔሩ ግን መን ከምዝፈጸሞ ኣይገለጸን።

እቲ ናይዚ እዋን ተቓውሞታት ብሓሙስ ኣብታ ብዕብየታ ካልኣይ ደርጃ ትሕዝ ከተማ ማሽሓድ ንናሕሪ ዋጋታት መግቢን ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት ብምቓውም ዝጀምረ ምኳኑ ይፍለጥ።

ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ’ሎ።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

መገሻ ፕረ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG